ኢትዮጵያውያን ክትሕበኑ ይግባእ – ኡሁሩ ኬንያታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ምክያዳ ኢትዮጵያውያን ክትሕበኑ ይግባእ ኢሎም ነበር ፕሬዚዳት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ።
ልኡኽ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሑ ኡሁሩ ኬንያታ ምስ ልኡኽ ተዓዛቢ ጉጅለ ኢጋድ ብምዃን ትማሊ ብዛዕባ እቲ መረፃ ፈላማይ ፀብፃብ ኣቕሪቦም።
በዙይ እውን እቲ መረፃ ብዓወት ምዝዛሙ ክትሕበኑ ከምዝግባእ ብትሪ ክዛረብ ይደሊ፤ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሙቕ ታሪክ ክዝኸር ኣለዎ ኢሎም፡፡
ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ መደረኦም ኢትዮጵያዉያን ብሓድነት ደው ብምባልኩም ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይተሰኮንኩም ህዝብታት እዮም ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ናፅነተን ክረኽባ ተቃሊስኩ ኢኩም ብምባል ነዙይ እውን ማእኸል ኣፍሪካ ክትኾ ኣኽኢልዋ ኢሎም፡፡