Fana: At a Speed of Life!

እቲ መረፃ ህዝቢ ክልል ጋምቤላ ንዴሞክራሲን ሰላማዊ ፖለቲካን ዘለዎ ድልየት ዝተረኣየሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ህዝቢ ንዲሞክራስን ሰላማዊ ፖለቲካን ዘለዎ ድሌት ዘርአየሉ እዩ ኢሉ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ክልል ጋምቤላ።
ኣብ ክልል ጋምቤላ ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ድምፂ ምሃቡ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።
ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኮማንደር ጋትቤል ቦል እቲ መረፃ ካብ ምድላዋት ጀሚሩ ዝተመሓየሸ ውዳበ ዝተረኣየሉ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እንትኾን፤ እቲ ቤት ምኽሪ ንዕውትነት እቲ መረፃ ግዲኡ ዕዙዝ ምንባሩ ሓቢሮም፡፡
እቲ መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናይ ፀጥታ ፀገም ብሰላም ምዝዛሙ ከይዲ ዲሞክራሲ ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኣካቢ፤ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ብትዕግስትን ፅንዓትን ድምፂ ንምሃብ ሕብረተሰብ ዘካየዶ ተሳትፎ ንኢዶም።
እዚ ድማ ህዝቢ ንዲሞክራሲን ሰላማዊ ፖለቲካን ዘለዎ ድሌት ዘንፀባርቕን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ ዲሞክራሲ ዘመላክትን ምዃኑ ሓባራዊ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.