እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተውሃበ መግለፂ
24 ግንቦት 2018 ንጉሆ፤ ጩራታት ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ነዋሕቲ ኣኽራናት ኢትዮጵያ ከይተበተነን ፀልማት ከይወረደን ኢትዮጵያውያን ነዊሕ ሪጋ ሒዞም ተሰሊፎም። ኣብ ጅማ፣ ድሬዳዋ፣ ሃዋሳ፣ ባህርዳር፣ ከምኡ እውን ሽሞም ኣብ ዓለም ለኸ ጋዜጣዊ ዜና ፈፂሙ ክወፅእ ዘይክእሉ ከተማታትን መንደራትን፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ወሳኒ ግዴታ ንምፍፃም ኣብ መስርዕ ደው ኢሎም። ድምፆም ሂቦም! ነዚ ታሪኻዊ ግቡእ ንምፍፃም ልዕሊ ሓምሳን ኣርባዕተን ሚሊየን ዜጋታት ተመዝጊቦም ነይሮም። እዚ ቁፅሪ እዚ ካብ ምሉእ ህዝቢ ገለ ሃገራት ዝዛይድ እዩ። እዚ መረፃ ሓቃዊ ምኳኑ ሕቶ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ኣካል ግልፂን ዘየማትእን መልሲ ሂቡ እዩ!
ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ 52 ሺሕ ጣቢያታት መረፃ ልዕሊ 50 ሺሕን 188 ኣብ እዋኑ ከምዝተኸፈቱን ሙሉእ መዓልቲ ንመረፅቲ ከተኣናግዱ ከምዝነበረ ኣረጋጊፁ። ልዕሊ 10 ሺሕን438 ሕፁያት ካብ 42 ፖለቲካዊ ውድባትን 80 ውልቀ ሕፁያትን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ክልላዊ ባይቶታትን ተወዳዲሮም እዮም። እዚ ብዝኾነ መዐቀኒ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎን ኣብ ክልቲኡ ውሳነን ምሕደራን ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ዝረቐቐ ኣተገባብራ እዩ ነይሩ።
ክቡር ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕን ካብ 37 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፀእፅኡ 83 ተዓዘብቲ ዝሓቖፈን ተልእኾ ምዕዛብ መረፃ ሕብረት ኣፍሪቃካ እቲ መረፃ “ብሰፊሑ ንዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝድግፍ ሕጋውን ትካላውን ቅርፂ ዝተኻየደ” እዩ ክብል ገምጊሙ። ብነበር ምክትል ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ክቡር ዶክተር ስፔዚዮዛ ዋንዲራ ካዚብዌ ዝምራሕ ተልእኾ ትዕዝብቲ መረፃ ኢጋድ ኣብ መባእታዊ ፀብፂቡ፤ ኣብ ኩለን ዝተዓዘብወን ጣብያታት ሳንዱቕ ድምፂ ብግቡእ ከምዝተዓሸገ፣ ኣብ ምሉእ እቲ መስርሕ ወከልቲ ሰልፊ ከምዝተረኽቡን እቲ መረፃ ዘደንቕ ትካላዊ፣ ምምሕዳራዊን ቴክኖሎጂካዊን ዘርኣየ ምዃኑ ኣረጋጊፁ። ልኡኽ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ነቲ መረፃ “ብዙሓት ሓደስቲ ምዕራፋት ዝሓዘ መረፃ” ክብል ገሊፅዎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ምድማፅ ዝኾነ ይኹን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተዓዘበ ኣረጋጊፁ።
ገለ ገለ ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ መረፃ ንጉሳዊ ድግስ ገይሮም ዝሓሰብዎ እንትኾን ውፅኢቱ ድማ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ድራማ ከምዝነበረ ገይሮም ከቕርብዎ ፈቲኖም። እዚኦም ካብ ሓቂ ፈፂሙ ዝርሓቀን ብፍፁም መሰረት ዘይብሉ ብመፅዕቲን ትንተናን ዘይተደገፈ ከምኡ እውን ኣብ ናፃን ፍትሓውን ዲሞክራስያዊ መረፃ ብኹርዓት ድምፆም ዝሃቡ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ዘየኽብርን ብምዃኖም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘይቕበሎ ምኳኑ የረጋግፅ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ሃገራዊ መረፃ ዝተሳተፉ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ልዕሊ 350 ሺሕ ሓለፍቲ ስራሕ፣ ነቲ ከይዲ ዝሓለዉ ሓይልታት ፀጥታ ከምኡ እውን ንኢትዮጵያ ንህንፀት ዲሞክራሲን ዕዉት ከይዲ ተወፋይነት ዘረጋገፁ ጉጅለታት ተዓዘብቲ ኣፍሪካን ዞባዊን ምስጋንኦም ይገልፁ!
ብዛዕባ ልምዓት ኢትዮጵያ
ኢትዮጵያውያን ብዕለት 24 ግንቦት 2018 ውሳነኦም ኣብ ዝወሰዱሉ እዋን፣ ሃገሮም ብባህሊ ሙሉእ ዲሞክራሲ ክመርሑ ቃል ኣትዮም። ብኻልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያ ብዓል ብዙሕ ፀጋ ዘድልያ ኩለመዳያዊ ልምዓት ብቅልጡፍ ጋህዲ ናይ ምግባር ባህሊ ክተቕፅሎ እያ።