ግልጋሎት ወለንታ ሓድነትን ማሕበራዊ ምትእስሳር የጎልብት – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ግልጋሎት ክረምታዊ ወለንታ ካብ ልምዓት ብዝሓለፈ ሓድነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ንምጉልባት ዕዙዝ እጃም ኣለዎ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ጎሮ ወፍሪ ክረምታዊ ወለንታ ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚሮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዝሰርሕ ኢድ፣ ዝዛረብ ኣፍ፣ ዝሓስብ ኣእምሮ እንትወሃሃዱ እዩ ልምዓትን ለውጢን ዝመፅእ።
ስራሕቲ ክረምታዊ ወለንታ ልዕሊ በጀትን ልምዓትን እዮም፤ ኣብ ሰናይ ተግባር ቁምነገር ሰሪሕና ንክንሓልፍ ዘኽእሉ እዮም ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
መናእሰይ ስራሕቲ ክርምታዊ ወለንታ ከም ናይ ክብሪ ስራሕ ገይሮም ክወስድዎም ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ድማ ባህልን ቋንቋን ከምህሩ ኣለዎም ኢሎም፡፡
ብዘይስራሕ ትህነፅ ሃገር ከም ዘየላን ተሓባባርካ ምስራሕ እንተድኣተኻኢሉ ብልፅግና ኢትዮጵያ በቲ ዝተሓሰበሉ መንገዲ ምርግጋፅ ከምዝክኣል ኣረዲኦም፡፡
መፃኢ ግዜ ብዙሕ ስራሕ፡ ብዙሕ ድኻምን ብዙሕ ውፅኢት ትፅቢት ዝግበረሉ ዘመን ምኻኑ ወሲኾም ኣመላኺቶም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ