ድሌት ሓበሬታ ህዝቢ ንምምላእ ሓበሬታ ምዝማን ይግባእ – እናትኣለም መለሰ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሌት ሓበሬታ ህዝቢ ንምምላእ ሓበሬታ ምዝማን ዘበናዊ ዳታ ምጥቃምን ይግባእ ኢለን ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ፡፡
ሓበራዊ መድረኽ ርክብ ህዝቢን ዓወዲ ኮሙኒኬሽንን ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ትካላት ፌዴራል ተኻይዱ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ እቲ መድረኽ ኣብ ትካላዊ ክፍተታት ተበፃሕነት ሓበሬታ ብዕምቆት ብምዝታይን ሃነፅቲ ሓሳባት ብምልውዋጥን ንቀፀልቲ ዕዉታት ስራሕቲ ስትራቴጂያዊ እታወት ንምእካብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡
ኣብቶም ትካላት ዘሎ ቅልጣፈ ፍሰት ሓበሬታ፣ ተበፃሕነትን ዘበናዊ ዲጂታል ስርዓት ምርድዳእን ምዝማን ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ እቲ ዓውዲ ንኽዕወት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን ሓላፍነቶም ብግቡእ ክዋፅኡ ይግባእ ኢለን፡፡
ህዝቢ ብሳይንሳዊ መገዲ ዝምራሕ፣ እዋኑ ዝጠልቢን ሓቀኝነቱ ዝተረጋገፀን ሓበሬታ ይደሊ ዝበላ እተን ሚኒስት፥ ነዚ ድማ ዓውዲ ኮሙኒኬሽን ሃገራዊ ሓበሬታ ብዝግባእ ብምትንታንን ብምውዳብን ተበፃሒ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡