Fana: At a Speed of Life!

ካብ ስግኣት ስነ-ምህዳር ናብ ተምሳሌት ፕላኒንግ ከተማ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንብዙሓት ዓመታት ንኣዲስ ኣበባ እናጨነቐን ስግኣት ጥዕና ነበርታን ኮይኑ ዝፀንሐ ብኽለት ሩባታት ሎሚ ኣብ ልምዓት ወሰን ሪባ እንጦጦ-ቀበና ኣቢሉ ታሪኹ ቀይሩ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ታራ ናይ ፅባቐ ስራሕቲ ዘይኮነስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ንእትኽተሎ ዘበናዊ ፕላኒንግ ከተማ ሓዱሽ ፍልስፍና ዝፈጠረ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኢዩ።

ብኢትዮጵያውያን መሃንዲሳትን ኣርክቴክታትን ዝተሓንፀፀን ዝተሃነፀን እቲ ፕሮጀክት ስለዝኾነ ንሃገር በቆል ሰብ ሞያ እውን ልዑል ዓቕሚ ዘርኢ ኢዩ።

ተፈጥሮኣዊ መስመር እቲ ሩባ እንተይለቐቑ ዝተሃነፁ መከላኸሊ ውሕጅ ግድባት፣ ናይ እግረኛን ሳይክልን መገዲታት ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶኦም እንተይበከሉ ዘበናዊነት ምልባስ ከምዝከኣል ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ሩባ ዝተሃነፁ መሰጋገሪ ድልድላትን ተንጠልጠልቲ ድልድላትን ጥበብ ምህንድስና ካብ ምርኣዮም ሓሊፉ፤ ቅድም ክብል ብምኽንያት እቲ ሩባ ዝተፈላልዮም ዝነበሩ ማሓበረሰባትን ሰፈራትን ብሓዱሽ መልክዑ ኣተኣሳሲሮም ኢዮም።

እቲ ፕሮጀክት ዘካተቶም፤ 1 ዓብዪ ግድብ፣ 16 ኣናእሽቲ ግድባት፣ 3 ቼክ ዳማት፣ 1 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሃይኪንግ፣ 20 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ደጋፊ ሩባን መከላኸሊ ሓደጋ ውሕጅን ካብ ምክልኻል ሓሊፉ፣ እታ ከተማ ዓመት ሙሉእ ዘየቋርፅ ፀጋ ማይ ንኽህልዋ ዝገብሩ ኢዮም።

ብቐጥታ ናብቲ ሩባ ይኣቱ ዝነበረ ረሳሕ ዘትረፈ 19 ነጥቢ 13 ኪሎ ሜትሮ መስመር መወገዲ ፈሳሲን ውሕጅን ህይወት እቲ ሩባ መሊሱ ነክዩዎ ኢዩ።

ካብዚ እተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት 59 ነጥቢ 7 ሄክታር ዝሽፍን ሓምለዋይ ልምዓትን ዝተተኸሉ ናይ ፍረምረ ኣእዋማትን ዘካተተ እንትኸውን፤ መጠን ሙቐት እታ ከተማ ኣብ ምንካይ ዕዙዝ ስነ-ምህዳራዊ ረብሓ ኣለዎም።

እቲ ፕሮጀክት ጥንታዊ መንነትን ምስ ዘበናዊ ባህሊ ስራሕ ብምውዳድ ኣፍሪካውያን ከተማታተን ብርእሰ ዓቕሚ ክሕድሳ ከምዝኽእላ ኣርኢዩ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ እዚ ዓሚቕ ዓቕሚ ኣለዋ፤ ብዙሓት ክስርሑ ዝግበኦምን ክረአዩ ዘለዎምን ጉዳያት ኣለዉ።

ቀበና ሕዚ ዘለዎ መልክዕን ፅባቐን ክሕዝ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ኣቐዲምካ ምሕሳብ ከምዘድሊ ብምሕባር፤ ምርኣይ እንትከኣል ስራሕ ይኽተል ኢሎም፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.