ብራኸ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን መድረኻት
ብራኸ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን መድረኻት
ርክባት ወፃኢን ታሪኽ ዲፕሎማሲን ኢትዮጵያ ነዊሕ ዘበናት ዘቑፀረን ልዑል መሰረት ዘለዎን ኢዩ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እታ ሃገር እናተኸተለቶ ትርከብ ጎረቤት ተኮርን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲን ብዙሕ ስትራቴጂካዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ።
ኢትዮጵያ ሚዛናዊ፣ መሓዛ ኣብ ምብዛሕ ዘድሀበን ብሄራዊ ረብሓ ዘቐደመን ርክባት ወፃኢ መሰረት ብምግባርን ተሰማዕነታ እናወሰኸት፤ ዘለዋ ጂኦ-ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ብምጥቃም ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር፣ ኣብ ሰላምን ፀፅታን፣ ከምኡ እውን ኣብ ኢኮኖሚ ውህደት ዲፕሎማሲያዊ እጃማ እናዕበየት ትርከብ፡፡
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ቀርኒ ኣፍሪካን ዘተኣማምን ሰላም ንኸዓስል ኢትዮጵያ ትገብሮ ፃዕሪ ልዑል ኣፋልጦ ኣትሪፉላ ኢዩ።
ድርድርን ክትዓትን ማይን ሓይሊን ናብ ጭቡጥ ምትእስሳር ልምዓት ብምልዋጥ ኣብ ዞባዊ መሰረተ ልምዓት ዝተወዋደደ ኣህጉራዊ ተምሳሌትነታ እናረጋገፀት ትርከብ።
ድርድር ግድብ ኣባይ ካብ ኣፍሪካ ንምውፃእ ዝተገበረ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ብምፍሻል ናብ ማዕቐፍ ኣፍሪካ ንኽምለስ ምግባር ምኽኣላ እውን ልዑል ዓወት ኢዩ።
ምዝዛም ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ሙሉእ ስራሕ ምእታዉ ሓይሊ ሚዛን እቲ ዞባ ዝለወጠ እንትኸውን፣ እታ ሃገር ንጎረባብቲ ሃገራት ብእተቕርቦ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢኮኖሚ ውህደት እቲ ዞባ ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ኣላ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ስትራቴጂክ ጥምረታት ዘለዋ ተበፃሕነት ብልዑል ብርኪ እናዓበየ ይርከብ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ከምኡ እውን ካልኦት ትካላት መስራቲትን ኣባልን ሃገር ኢያ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ሙሉእ ኣባል ብሪክስ ከምዝኾነ ኣብ ምብራቕ ዓለም ዘለዋ ተሰማዕነት ክብ ዘበለ እንትኸውን፣ ኣፍሪካ ድምፃ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ንምንፅብራቕ ወሳኒ ግደ ይፃወት።
ኣዲስ ኣበባ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ማእኸልነት ኮንፈረንስ ቱሪዝም ግደኣ ምውፃእ ድማ ካሊእ ዓወት ኢዩ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ናይ ውሽጢ ሃገር ዓወታት ልምዓት ናብ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሚ ብምልዋጥ ዓለም ለኸ ናእዳ ምትራፍ ተኻኢሉ ኢዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስርናይን ውሕስና ምግቢን ዘመዝገበቶም ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ተቐባልነት ክብ ኣቢሉዎ ኢዩ።
እዚ ድማ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽተተኣናግድ መገዲ ከፊቱላ።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ክሌማዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ።