ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝተራእየ ዝተዋደደ ንጥፈታት ዓመታዊ ኣታዊ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዓብዪ ዓቕሚ ኣለዎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም. (ኤፍ.ኤም.ሲ) – ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝተራእየ ዝተዋደደ ናይ ሰባት፣ ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታትን ብሓባር ኮይኑ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ኣታዊ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዓብዪ ዓቕሚ ከም ኣለዎ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) “ቱሪዝም፤ ሓዱሽ ሞተር ኢኮኖሚ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ኢትዮጵያ እትትግብሮ ዘላ ኩለ መዳይ ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ጭቡጥ ውፅኢት የመዝግብ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ፣ ፋይናንስ፣ ኢንዱስትሪን ማዕድንን ልዑል ምንቅስቓስን ውፅኢትን እናተመዝገበ ከም ዝርከብ ኣብሪሆም።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብፍላይ ኣብ ምህርቲ ስርናይ፣ ቡን፣ ዕምባባን ፍረታትን ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ብመደብ “ሌማት ትሩፋት” ኣብ ምህርቲ ደርሁን ፀባን ዓብዪ ምንቕቓሕ ከም ዝተፈጠረ ኣረዲኦም።
ኣብ ዘርፍ ቴክኖሎጂ፤ መደብ “5 ሚልየን ኮደርስ”ን ትግበራ ዲጂታላዊ መንነት (Digital ID)ን ዲጂታላዊ ኢኮኖሚ ሃገር ብዓብዪ ቅልጣፈ ከም ዘዕቢ ኣመልኪቶም።
ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ብፍላይ ቴሌብር 55 ሚልዮን ተረባሕቲ ብምሓዝ ኣብ ሃገራዊ ምህርቲ (GDP) ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከም ዘሎ ገሊፆም።
ኣብ ዘርፍ ኢንዱስትሪ ወፃኢ ንግዲ ብዝሓሸ ደረጃ ይዓቢ ከም ዘሎን ፍሪያት ሶላር እውን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ከም ዝልኣኽ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ ካብ 30 ክሳብ 40 ሚልየን ዶላር ዘይበዝሕ ኣታዊ ዝርከቦ ዝነበረ ዓውዲ ዕደና ሕዚ ናብ ቢልየናት ዶላር ዝበፅሕ ኣታዊ የምፅእ ከም ዘሎ ገሊፆም።
ንጥፈታት በፃሕቲ ውሽጢ ሃገር እውን ኣዝዩ ዝነኣድ ምንቕቓሕ የርኢ ከም ዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ’ዚ ዓመት ልዕሊ 50 ሚልየን ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ መዳረሻታት ከም ዝበፅሑ ኣመልኪቶም።
እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ1.8 ሚልየን፣ ካብ 2016 ዓ.ም. ድማ ብ9.4 ሚልየን ዝበልፅ ምዃኑ ገሊፆም።
ብሶስና ዓለማየሁ