Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ጉባኤ ልዝብ ሙያዊ መብርሂ ምስ ዘቕርቡ ልሂቃን ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ልዝብ ሙያዊ መብርሂ ምስ ዘቕርቡ ልሂቃን ይዝቲ ኣሎ።

ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)፥ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንዘበናት እንትክባለሉ ዝመፅኡ ዘይምርድዳኣት ብዝሰልጠነ መገዲ ንምፍታሕን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዘኽእል ምህዳር ተፈጢሩ ኣሎ ኢሎም።

ንዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ሰፊሕ ምድላው አንትግበር ምፅንሑ ብምሕባር፥ ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ቀንዲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ምክያድ ዘኽእል ኣሳታፊን ሓቛፊን ኣጀንዳ ናይ ምትእኽካብን ናይ ተሳተፍቲ ምፍላይን ስራሕቲ ምክያዶም ተዛሪቦም።

4 ሺሕ ተሳተፍቲ ዘለውዎ እቲ ጉባኤ ዘተ ኣብ 8 ጉጅለታት ዝተዋደደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዝመስልን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ዝተወከልሉን ንክኸውን ብጥንቃቐ ምውዳቡ ኣብሪሆም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.