Fana: At a Speed of Life!

ንሃገር ዝጠቅም ሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክንህብ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ.ኤም.ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ውልቂ ረብሓ ጥራይ ካብ ምሕሳብ ንሃገር ዝረብሕ ሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክወሃብ ይግባእ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሞ ኣብ ዝርከብ ‘ዮ ሆልዲንግ’ ዝተባህለ ፋብሪካ ምፍራይ ናይ እምኒ ከሰል ከይዲ ስርሑ ተዓዚቦም።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፥ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 5 ቢሊየን ዶላር ተተካእቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ተኻኢሉ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንኢንዱስትሪታት እታዎት ዝኸውን እምኒ ከሰል ክሳብ 300 ሚልየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ካብ ወፃኢ ይኣቱ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣርባዕተ ፋብሪካታት ምፍራይ እምኒ ከሰል ተመሪቖም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ገሊፆም።

እዞም ፋብሪካታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ድሌት ኢንዱስትሪታት ንምምላእ ብቕዓት ከም ዘለዎም አውን ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ድማ ካልኦት ፋብሪካታት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከም ዝኣትዉ ብምግላፅ፥ በዚ ድማ ፍሪያታት እምኒ ከሰል ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ናይ ምልኣኽ ዓቢ ዕድል ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

እዞም ፍሪያታት ናይ ፅሬት ፀገም ከምዘይብሎም ዝገለፁ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ልምዲ ዝርአ ዝተወሰነ ሕፅረት ድማ እናተመሓየሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እምኒ ከሰል እናፈረዩ ናብ ኢትዮጵያ ዘእትዉ ዝነበሩ ኣካላት፥ ንናይ ኢትዮጵያ ፍሪያታት ንምውራድ ዝዓለመ ንጥፈታት ከም ዝገብሩ ገሊጾም።

እዞም ኣካላት ሸርፊ ወፃኢ ካብ ሃገር ብምውፃእን ሸቐጣት ካብ ወፃኢ ብምእታውን ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ጥራይ ከም ዝሓስቡ ተዛሪቦም።

ናይ ውልቂ ረብሓ ጥራይ ምሕሳብ ትኽክል ከም ዘይኮነ ብምግላፅ፥ ንሃገር ዝረብሕ ሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ፋብሪካታት ምህናፅ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ከም ዝፈጥር ገሊጾም።

ቅድሚ ሐዚ ብብዝሒ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ሐዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይፍረዩ ከም ዘለዉ ኣብሪሆም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.