Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ዘልዓልዎም ቀንዲ ነጥብታት

👉 ኣባና ዘለዉ ፀገማት ብኣና ጥራይ ዝጅምሩን ብኣና ጥራይ ዝውድኡን ኣይኮኑን። ንሕና ክንሰርሕ ከለና ምሳና ዘይነበሩ፣ ክንቃወም ከለና ካበይ መፂኦም ዘይበሃል ጥይትን ገንዘብን እናቐረቡ፣ ብሚዲያታት ፕሮፓጋንዳ እናወዝዑ ይረኣዩ።
👉 ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ውሽጥና እኳ እንተፈላለየና ከምዚ ዝኣመሰለ ዘተ ብምክያድ ፀገማትና ክንፈትሕ ይግባእ።
👉 ምሽጢር ፅንዓትና ኣብ ሽምግልና፣ ምዝርራብ፣ ይቕረታን ካሕሳን ዝተመስረተ እዩ። እዚኣቶም ሳይንስ ብቐሊሉ ክምርምሮም ወይ ክትክኦም ዘይክእል ዓቢ ሃብትን ተሞክሮን እዮም።
👉 ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ እንተተፈጢሩ ብምዝርራብን ብይቕረታን እዩ ዝፍታሕ። እዚ ባህሊ ምዝርራብን ይቕረታን ኢትዮጵያ ኣፅኒዑዋ እዩ።
👉 እዚ ሃገራዊ ዘተ ጉባኤ ኣብ ባህሊ ምዝርራብን ይቕረታን ዝተመስረተ እንተኾይኑ ንዓና ጥራይ ዘይኮነስ ንዝመፅኡ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሕ መሰረት ከንብር ይኽእል።
👉 ካብ ባህልና፣ መንነትናን ታሪኽናን ከይተፈለና ብፍቓድ፣ ብፍቕርን ስምዒት ሓላፍነትን እዚ ዘተ እንተኣካይድና ብዘይ ጥርጥር ደቅና ዝማዕበለትን ዝፀንዐትን ኢትዮጵያ ክወርሱ ይኽእሉ።
👉 ባህልና ምስ ኣብ ትሕቲ ዋርካ ምእካብ ይመሳሰል። ስለዚ እዩ “ዋርካ ንትከል፣ ተስፋ ንትከል፣ ብሓባር ምቛምና ነፅንዕ” እንብል።
👉 ማንም ከይተጎድአ ሓባራዊ ሕቶታትና ብምልዓል ክንመኻኸር ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ብዘይምክያድና ብዙሓት ወገናትና ከቢድ ዋጋ ከፊሎም እዮም።
ብትዕግስቲ ግዛቸው
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.