Fana: At a Speed of Life!

ንሕና ኣፈላላይና ናይ ምፍታሕ ጥንኩር ባህሊ ዘለና ህዝቢታት ኢና

ኢትዮጵያውያን ብብዙሕነት ተኸባቢርና እንነብር፣ ኣፈላላያትና ብልዝብን ብሽምግልናን ናይ ምፍታሕ ጥንኩር ባህሊ ዘለና ህዝቢታት ኢና።

እዚ ሰናይ ዘኹርዕ ልምድና ሃገራዊ ልዝባት ክንጥቀመሉን ብሓባር ዘላቒ ሰላም ክንሃንፅን ልዑል መሰረት ዝኸውን ኢዩ።

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሃገራዊ ምርድዳእ ገዛ ዕዩኡ እናሰርሐ ስለዝርከብ፤ በቢከባቢና ዝርከቡ ዘይምርድዳኣት ከይሰፍሑ ብሽምግልና ዝፍትሑ ዓበይቲ ዓዲ ዓምዲታት ሰላም ኢዮም።

ፀገማት ብምዝርራብን ኣብ ሓራዊ ምርድዳእ ብምብፃሕ ናይ ምፍታሕ በቢከባቢኡ ብዙሓት ሃገር በቆል ፀጋታት ኣለዉና፡፡

ብሓባር ተኣኻኺብካ ናይ ምንባር፣ ሓደ ናይቲ ካሊእ ባህሊ፣ እምነትን ቋንቋን ኣኽቢርካ ብብዝሃነት ውቁብ ዝኾነ ሓድነት ናይ ምፍጣር ልምዲ እውን ኣለና፡፡

ንዝሓለፉ ዓመታት ዝፀንሑ ሃገራዊ ኣፈላላያት ንምፍታሕ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ልዑልን ታሪኻዊን ጉባኤ እናካየደ ይርከብ።

እዚ ከይዲ ክፍሊታት ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ዘራኽብ ሓዱሽ መገዲ ሰላም ኢዩ።

በዚ ድማ ነናይከባቢኡ ክብሪታት ሽምግልናን ይቅርታን ብምጥቃም ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም ክነምፅእ ንኽእል።

እዚ ሓበራዊ ዕላማ ንምዕዋት ኩልና ብቢታራና ብንቕሓት ክንሳተፍ ኣለና።

ምድምማፅን ምርድዳእን ንሓድነት ሃገር ዘረጋግፁ ስለዝኾኑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.