Fana: At a Speed of Life!

ሸንሸል ዕንወት

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምድኻምን ኣብቲ ዞባ ዝለዓለ ፀብለልታ ንምሓዝን ዝደልዩ ታሪኻውያን ፀላእቲን ናይ ወፃኢ ሓይልታትን፣ ብዝተራቐቐ መገዲ ካብ ዝጥቀሙሉ ሓደ ሜላ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ልምዓትን ከይዓስል ምግባር እዩ።

ኣብ ኣልፋሽጋ ካብ ዘሎ ወጥሪ ዶብ ብዝዘለለ ስዉር ኢድ ጀሚሩ፣ ካብ ካይሮ ክሳብ ኣስመራ ዝተዘርግሐ ሰንሰለት ሽርሒ ቀንዲ ዕላማኡ እዚ እዩ፡፡ ንሱ ድማ ጥንክርቲን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ከይትህሉ ምግባርን፣ ቀርኒ ኣፍሪካ ከም ዞባ ቀፃሊ ዝኾነ ዘይምርግጋእን ትርምስን ኮይኑ ክቕፅል ምግባርን እዩ።

ናይ ጥፍኣት ሜላኦም መብፅሒ እቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ናብ ዘይብሉ ሓደ ዝደኸመ መንግስቲ ዘይብሉ እኩብ ክኸውን ምግባር እንትኸውን፤ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ድማ ቀንዲ ዒላማኦም ኢትዮጵያ ገይሮምዋ ኣለዉ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ስፍሓት መሬት፣ ብዝሒ ህዝቢን ዓብዪ ኢኮኖሚን ንርግኣት እቲ ዞባ ቀንዲ ዓምዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ብምዃኑ ድማ ነዚ ዓምዲ ምድኻም ቀንዲ ትኹረቶም ገይሮምዎ ኣለዉ።

እዚ ሸቶ ንምፍፃም ከም ግብፂ ዝኣመሰላ ታሪኻውያን ፀላእትና ሃገራት እቲ ዞባ ሓያላትን ሉኣላዊ መንግስታትን ከይህልወን ይደልዩ። ሱዳን ንዓመታት ኣብ ሕድሕዳዊ ኲናት ክትጥሕል ብሕቡእ ሓገዝ ብምግባር፣ ደቡብ ሱዳን ናብ ቅልውላው ክትኣቱ ብምግባር፣ ኤርትራ ድማ ከም ተላኣኺት ብምጥቃም፣ እቲ ዞባ መናሃሪያ ድኹማት ንምግባር ዝገብርዎ ፃዕሪ ብግብሪ ተራእዩ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብወገን ኣልፋሽጋ ዝግበር ምትእኽኻብን ከበባን ሸቶኡ ትኹረት ኢትዮጵያ ብምብራን ወታደራዊን ናይ ድሕንነትን ሓይላ በቢኣንፈቱ ክውጠር ንግባር ኢዩ። እዚ ስልታዊ ትኩሳት ናይ ምፍጣር ኣካይዳ እቲ ዞባ ማእኸል ግብረ ራዕዳውያንን ስርዓት ኣልቦን ብምግባር ሓይሊታት ወፃኢ ዝደለዩዎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ልዕልነት ንኽድዕንኑ ምቹው መገዲ መእለሺ ኢዩ፡፡

ብሕፅረት ኣጀንዳ ዝተፈጠረ ውህደት

ብዝኾነ ይኹን ዓይነት መለክዒ፣ ድሌትን ርእዮተ ኣለምን ሓሮም ጠጠው ክብሉ ዘይኽእሉ ሓይሊታት ብተስፋ ምቑራፅ ንኢትዮጵያ ንምዕናው ክብሉ ብሓድነት ተሰሊፎም ኣለዉ። እዚ “ኣብ ዘይተቐደሰ ሓዳር” ዝተመስረተ ምትእኽኻብ ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ናይ ወፃኢ ታሪኻዊ ፃላእቲን ናይ ውሽጢ ሃገር ጥቕመኛ ባንዳታት ዝሓቖፈ ሓደገኛ እኩብ ኢዩ።

ናይ ውሽጢ ባንዳታት ካብ ለኣኽቶም ትእዛዝ ብምቕባል ኣብ ውሽጢ ሃገር ቅልቅላውን ምክፍፋልን ንምፍጣር ለይቲን ቀትሪን እናሰርሑ፣ ሓይሊታት ወፃኢ ድማ ቤንዚን እናነስነሱን እናጋውሑን ንምብእኣስ ተሰናዲኦም ይርከቡ፡፡

እዚ ሽርሒ ናይ ውሽጢ ሃገር ሰላም ምህዋኽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብኢኮኖሚ፣ ብሓይሊን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ንምትእስሳር ዝጀመረቶ ዓብዪ ጉዕዞ ንምትዕንቓፍን ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኣምር መደመር ዝተጠናኸረ እዚ ምትእስሳር ኣብቲ ዞባ ዝደልዩዎ ልዕልነት ዘይምርካቦም ንዘስገኦም ናይ ርሑቕ ሓይሊታት ልዑል ፍልፍል ስግኣት ኮይኑዎም ኣሎ። ነዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ብሚዲያኦም ጥርጣረን ክፍኣትን ይዘርኡ። ብፍላይ ናይ ግብፂ ኢድ ክሳብ ኣስመራ ዝኸፍአ ሽርሒ ብምዝርጋሕ ናይ ጥፍኣት ተግባሩ ተተሓሒዙዎ ኣሎ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.