ጉዳይ ህልውና!
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ህዝባዊን ሕጋዊን ውክልና ኣብ ብዘይብሉ ጉጅለ በሪ ባሕራ ስኢና ኢያ። በዚ ምኽንያት ድማ ልምዓታ ብዝድለ መጠን ከይዓቢ ማሕለኻ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣዚዩ ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮም ብሄራዊ ድሕንነታ ዝምልከቱ ኣቑሑታት ሓዊሱ ብጎረባብቲ ሃገር ወደብ ንምእታውን ንምውፃእን ተገዲዳ ፀኒሓ ኢያ።
መንግስቲ መደመር ካብ ሞንጎ ዘልዐሎም ቁልፊ ኣጀንዳታት ብሄራዊ ረብሓ ሓደ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢዩ። ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝምራሕ ናይ ለውጢ መንግስቲ ስትራቴጂ በሪ ባሕሪ ናብ መድረኽ ኣምፂኡ ኢዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም እንትገልፁ፤ “እናዓበየ ዝኸይድ ህዝቢ በሪ ባሕሪ ምርካብ ሕንቃቐ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና ኢዩ” ኢሎም።
ኣብ ዓለም ልዑል ቁፅሪ ህዝቢ ሃሊዩዋ በሪ ባሕሪ ንዘይብላን ንኣተውቲን ፍርያታታ ልዑል ክራይ ወደብ ንእትኸፍል ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምላሽ የድልዮ።
ብምዃኑ ድማ ብሰላማዊ መገገዲን ኣብ መምርሒ ሓበራዊ ተረባሕነትን መሰረት ብምግባር ወናኒት በሪ ባሕሪ ንምዃን ሰፊሕ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ እናካየደት ትርከብ።
ፃዕራ ድማ ብመራሕቲ ዓበይቲ ሃገራትን ትካላትን ዓለም ድጋፍ ረኺቡ ኢዩ።
ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝጎብነዩሉ እዋን፤ ሕቶ ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም ኢዮም።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብግደኦም ኢትዮጵያ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊ መገዲ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝድግፎ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም ኢዮም።
ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ቱርክሜኒስታን ኣብ ዝተኻየደ 3ይ ጉባኤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ወደብ ኣልቦ ሃገራት ሕራት መንግሥታት ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ወደብ ኣልቦ ሃገራት ዘጋጥሙወን ማሕለኻታት ብምፍታሕ ተረባሕቲ ዝኾናሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም ኢዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ንኢትዮጵያ ዝጎብነዩ ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ ቲየሪ ማሪያኒ ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ንዓለም ለኸ ድሕንነት ዘለዎ እጃም ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም ኢዮም።
ኢትዮጵያ ወናኒት በሪ ባሕሪ ምዃና ናይ ባዕላ ልምዓት ካብ ምስላጥን ብሄራዊ ረብሓኣን ካብ ምኽባር ሓሊፉ ናሃገራት እቲ ዞባ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።
ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕጋዊ፣ ታሪኻዊን ብሓባር ናይ ምልማዕ ሕቶ ብምዃኑ ኩሉ ክድግፎ ይግባእ።
ብቴዎድሮስ ሳህለ