ኣብ ከባቢታት ቆላ ዘለዉ ሃፍትታት ብምልማዕ ናብራ ዜጋታት ዘመሓይሹ ፕሮጀክትታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢታት ቆላ ዘለዉ ሃፍትታት ብምልማዕ ናብራ ዜጋታት ዘመሓይሹ ፕሮጀክትታት ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ሚኒስትር መስኖን ከባታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)።
ላዕለዋይ ኮሚቴ ፕሮጀክት መመሓየሺ ናብራ ከባቢታት ቆላ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2018 ገምጊሙ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም ፕሮጀክታት ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2019 ብምዝታይ 28 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር በጀት ከምዝፅደቐ እቶም ሚኒስትር ኣመልኪቶም።
ኣብ ከባቢታት ቆላ ልምዓት ንምቅልጣፍን ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ዝተናበበን ዝተዋሃሃደን ስራሕ ከምኡ እውን ህይወት ማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ዘመሓይሹ ፕሮጀክትታት ምትግባር ከምዘድሊ ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታታ ቆላ ዘለዉዋ ሃፍቲታት መሬት፣ ማይ፣ እንስሳትን ካልኦት ሃፍትታትን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ናብራ ኣርባሕቲ ዘመሓይሹን ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታት ዘደንፍዑን ስትራቴጂካዊ ፕሮጀክትታት ምትግባር ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅል እዋን እውን ብዝተናበበን ዝተዋሃሃደን ልምዓት ቆላማ ከባቢ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝግበር ስራሕ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።
ፕሮጀክት መመሓየሺ ናብራ ቆላማ ከባቢ ብ424 ሚልዮን ዶላር በጀት ኣብ ሸውዓተ ክልላትን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ዝርከባ 120 ወረዳታትን ተግባራዊ ዝግበር ፕሮጀክት እዩ።