Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ጥዕና ብፅሬት ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መሰረት ዘላቒን ጥንኩርን ቁጠባዊ ዕቤት ሓንቲ ሃገር ጥዕናኡ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ እዩ።

ጥዑይን መፍረያይን ሕብረተሰብ ንምህናፅ ድማ ኣገልግሎት ጥዕና ብፅሬትን ብሰፊሑን ተበፃሒ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘበናዊ፣ ተበፃሒን ፅሬት ዘለዎን ኣገልግሎት ንምሃብ ሰፊሕ ስራሕቲ ሪፎርምን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ብምክያድ ወሰንቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም።

ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን ጥዕና ምጥንኻር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፍርያታትን ናውቲ ጥዕና ምዕባይ፣ ከምኡ እውን ዘላቒ ፍልፍል ፋይናንስ ብምጥንኻር ሉኣላዊነት ጥዕና ምርግጋፅ፣ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት እቲ ሪፎርም እዮም።

መንግስቲ ንዓውዲ ጥዕና ዝምድቦ በጀት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ዝመፅአ እንትኸውን፤ ብመሰረት፣ በጀት ዘፈር ጥዕና መንግስቲ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ካብ 70 ቢልዮን ብር፣ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ናብ 130 ቢልዮን ብር ክብ ኢሉ እዩ።

ሃገር ብእታወታት ሕክምና ባዕላ ክትክእል ንምግባር ብዝተገብረ ፃዕሪ፣ ሕክምናዊ ኦክስጅን ዘፍርዩ ትካላት ቁፅሮም ካብ 3 ሚእታዊ ናብ 58 ሚእታዊ ክዓቢ ተገይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብብርኪ ሃገር መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ዘፍርዩ ኣፍረይቲ ቁፅሮም ካብ 8 ሚእታዊ ናብ 41 ሚእታዊ ብምዕባይ ቀረብ መድሓኒት ካብ ምቕላል ሓሊፉ ሸርፊ ወፃኢ ንምንካይ ልዑል ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።

ኣብ ልምዓት ሓይል ሰብን ኣብ ምህናፅ ዓቕሚ ላቦራቶሪን እውን ሰፊሕ ስራሕቲ ተኻይዶም ጭቡጣት ውፅኢታት ተመዝጊቡ እዩ። ቁፅሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ብዝለዓለ መጠን ክውስኽ ተኻኢሉ።

ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ንምዝማንን ኣገልግሎቱ ዝቐልጠፈን ብቕዓት ዘለዎን ንምግባርን ናይ ዲጂታል ጥዕና ኣሰራርሓታት ተዘርጊሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ንሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር ብዝተኻየደ ንጥፈት ሽፋኑ እናወሰኸ መፂኡ እዩ።

ብቐጥታ ኣብ ዘፈር ጥዕና ካብ ዝስርሑ ስራሕቲ ብተወሳኺ፤ መንግስቲ ስርዓት ኣመጋግባ ንምምሕያሽ ከም ሕርሻ ከተማን ትሩፋት ሌማትን ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ኣካይዱ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዜጋታት ብስፖርታዊ ንጥፈታት ጥዕናኦም ክሕልዉ ዘኽእሉ ቦታታት መዘውተሪ ስፖርትን ምቹው መገዲ እግረኛታትን ብሽክለታን ኣብ ልምዓት ኮሪደር ተሃኒፆም።

ብቴዎድሮስ ሳህለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.