ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ መሪሕ ተራ ትፃወት ኣላ – ኣሜሪካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ መሪሕ ተራ ትፃወት ኣላ ኢሎም ልኡኽ ምክልኻል ኣሜሪካ።
መበገሲኡ ካብ ሮድ ኣይላንድ ዝገበረ ጉጅለ ልኡሕ ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ማእሐል መሰልጠኒ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።
እቲ ስልጠና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወታደራዊ መዳይ ብሓባር ንምስራሕ ዝገበረኦ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ዝተዳለወ እንትኸውን፤ ኣብ እዋን ወታደራዊ ልኡኽቶታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታት ወታደራዊ ኣሰራርሓን ብዝግባእ ኣብ ምኽባር ዘድሀበ እዩ።
ዳይሬክተር ስልጠና ዋና ዳይሬክቶሬት ዝምድናታት ወፃኢን ወታደራዊ ምትሕብባርን ሸራጽ ምክልኻል ሌተናል ኮሎኔል ምናሴ ሃይሉ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ትፈጥሮ ብዘላ ፅቡቕ ፅልዋ ተሰማዕነታ እናዓበየ ከም ዝመፅአ ገሊፆም።
ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምፍታሕ ብዘይ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ክዕወት ከም ዘይከኣል ብምርዳእ፣ ንሓባራዊ ተረባሕነት ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር እናሰርሓ ከም ዝርከባ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ተልእኾታት ምሕላው ሰላም ትፍፅሞም ወፍሪታት፣ ብፍላይ ኣብ ምውጋድ ፈንጂታትን ኣብ እዋን ወታደራዊ ምንቅስቓሳትን ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ብዝግባእ ብምኽባር ሓዱሽ ፍልጠት ዝፈጥር ስልጠና ምዃኑ ተዛሪቦም።
ስልጠና ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ምሳና ዘሎ ዝኻዕበተ ልምዲ እውን ክወስዱ እዮም ኢሎም።
መተሓባበሪ ናይቲ ልኡኽ ስልጠና ሌተናል ኮሎኔል ዛከሪ ማካርተር ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማልያ መሪሕ ግደ እናተፃወተት ከምትርከብ ኣመልኪቶም።
ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምፅራሕ፤ እቲ ስልጠና ናይ ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ተግባራት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ክኾኑ ዝሕግዝ ምዃኑ ምግላፆም ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመልክት።