Fana: At a Speed of Life!

ሉዓላውነት ሃገርን ዋሕስ ሰላም እቲ ዞባን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ሃገርን ድሕነት ህዝብታትን ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ንሰላምን ድሕነትን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካን መላእ ኣህጉር ኣፍሪካን ዋሕስ ኮይኑ ዝፀንሐ ዓቢዪ ትካል እዩ።

ኣብ ታሪኽ ኣጋጣሚታት ህልውና ሃገር ዘረጋገፀን ኣብነት ጀግንነት ዝኾነን ትካል ካብ ውሽጥን ደገን ዝፍነዉ ትንኮያታት ብምምካት ዘይትካእ ግደ እናተፃወተ ፀኒሑ እዩ።

ጥንካረ እቲ ሰራዊትን መንፈስ ቆራፅነቱን ዝፍልፍል ካብ ታሪኻዊ ድሌት ናፅነት ህዝቢ ከምኡ እውን ካብ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝቖመ ህዝባዊ መሰረቱ እዩ።

“በዓል ነበልባላዊ ቅልፅም” ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፤ ዶብን ክሊ ኣየርን ሃገር ካብ ምሕላው ሓሊፉ ዘላቒ ልምዓት ሃገር ዘረጋግፅ ጥንኩር መዋቕር ኮይኑ ተሃኒፁ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝበሉ ሃገራዊ መሰረተ ልምዓታት ካብ ዝኾነ ዓይነት ውሽጣዊን ደጋዊን መጥቃዕቲ ብፅንዓት ናይ ምሕላው ታሪኻዊ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ይርከብ።

እቲ ትካል ዘበነዎት ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ወይ ድሮናት፣ ናይ ውግእ ጄታትን ቴክኖሎጂታት ሓለዋ ክሊ ኣየርን ብምውዳብ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየሩ ኣዝዩ ኣዕብዩ እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ዝተዋሃሃደ መዋቕር ሓይሊ ባሕሪ ብምህናፅን ዘመናዊ መጥቃዕቲ ሳይበር ኣቐዲሙ ንምፍሻል ዘኽእል ስትራቴጂታት ሓበሬታ ኣብ ስራሕ ኣውዒሉ እዩ።

ሓይሊ ምድሩ እውን ብዘመናዊ ከበድቲ ኣፅዋራት፣ ታንክታትን ሜካናይዝድ ክፍልታትን ከምኡ እውን ብዝማዕበለ ውዳበ ሓበሬታን ስለያን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ እዩ።

ካብ ዶብ ሃገር ሓሊፉ እውን፤ ከም ኣል-ሸባብ ዝኣመሰሉ ራዕዳዊ ጉጅለታት ዘስዕብዎ ስግኣት ብምንካይ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንኽዓስል ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።

ኣብ ኮርያ፣ ኮንጎ፣ ሩዋንዳ፣ ሱዳንን ሶማልያን ዘካየዶም ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ልኡኽቶታት ምዕቃብ ሰላም ድማ ዝለዓለ ዲሲፕሊንን ብቕዓትን ከም ዘለዎ ኣመስኪሩ እዩ።

እናተቐያየረ ዝመፅእ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሃገርና ኣብ መገዲ ሰላምን ልምዓትን ንኽትስጉም ዘኽእል ውሑስ ወታደራዊ ቁመና ዝተላበሰ ሰራዊት ኮይኑ ክቕፅል እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.