Fana: At a Speed of Life!

ዘተ ንዝመፅእ ወለዶ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምርካብ ዕድል ዝህብ እዩ – ተዛተይቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዘይምርድዳኣት ብምዝታይ ብምፍታሕ ንዝመፅእ ወለዶ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምርካብ ዘኽእል ዓብዪ ዕድል ኢዩ ኢሎም ተዛተይቲ።

እቶም ተዛተይቲ ከም ዝገለፁዎ፤ እቲ ምኽክር ንተሳተፍቲ ሓሳባም ብናፅነት ከቕርቡ ዕድል ዝፈጠረ እዩ።

ተሳታፊት እቲ ዘተ ዝኾና ኣለምፀሃይ ኣሰፋ፤ ኣብቲ ዘተ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ሓሳቡ ብናፅነት ከቕርብ ከም ዝኸኣለ ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ብዝተወደበ መገዲ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ተሳትፎ እናሓለፈ እናተኻየደ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

ብዛዕባ እቲ ዘተ ውሳነ ከምዝውሰንን ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ፀቕጢ ይግበር እዩ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጋዋሕ ዝነበረ ሓበሬታ ሓቂ ከምዘይኮነ ኣስሚረናሉ።

ካልእ ተሳታፊ እቲ ዘተ ቹንኬድ ዴቪድ ብወገኖም፤ ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ተሳተፍቲ ሓሳቦም ብናፅነት ንኽገልፁ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዝቐረቡ ሓሳባት ሃገራዊ ምርድዳእ ጋህዲ ንምግባርን ዝማዕበለት ሃገር ንወለዶ ንምርካብ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

እቲ ሃገራዊ ዘተ ሱር ዝሰደዱ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ልዑል ዕድል ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ካሊእ ተሳታፊ ኣደም ሙሓመድ እዮም፡፡

ፀገማት ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፈተነታት ንኢትዮጵያ ጉድኣት ከም ዘውረዱላ ብምፅራሕ፤ እቲ ዘተ ግን ንዝመፅእ ወለዶ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዕድል ዝህብ እጤ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.