Fana: At a Speed of Life!

475 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዶላር ኣታዊን ታሪኻዊ ምዕራፍ ዕቤትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ልምዓት ንፁህን ዝሕደስን ሓይሊ ካብ ውሽጣዊ ጠለብ ሓሊፉ፣ ንኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር እቲ ዞባን ንእቶት ሸርፊ ወፃኢን ወሳኒ ግደ እናተፃወተ ምምፅኡ ብተግባር ይረአ ኣሎ።

ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018 ሓይሊ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ከም ዘርእዮ፤ እቲ ትካል ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ድምር ውፅኢት ኢትዮጵያ ኣብ ሃይድሮ ፓወርን ካልኦት ዓውድታት ዝሕደስ ሓይሊን ዝሓዘቶ ስትራቴጂካዊ ራኢ ናብ ጭቡጥን ዝለዓለን ውፅኢት እናተሰጋገረ ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ።

ኣብቲ በጀት ዓመት ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ወፃኢ ሃገራት ጥራሕ 475 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝተረኽበ ዋና ፈፃሚ ስራሕፃይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ኣሸብር ባልቻ ገሊፆም።

እዚ ኣሃዝ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 25 ሚእታዊ ዕቤት ዘርአየ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት እትገብሮ ቀረብ ሓይሊ እናወሰኸ ምምፅኡን እታ ሃገር ናይቲ ከባቢ ማእኸል ኢነርጂ ናይ ምዃን ዓቕማ እናዓበየ ምምፅኡን ብግልፂ የርኢ።

ብሓፈሻ ካብ ዝፈረየ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፍልፍል ሓይሊ ማይ 97 ሚእታዊ ብፅሒት ምሓዞም ድማ እታ ሃገር ዘለዋ ሰፊሕ ተፈጥሮ ፀጋ ከባቢ ብዝሕሉ መገዲ እናተጠቀመትሉ ምዃና ዘመልክት እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣፈፃፅማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍልፋል ኤሌክትሪክ ናብ 9 ሺሕን 730 ሜጋ ዋት ከብፅሕን 23 ሚእታዊ ዕቤት ከመዝግብን ክኢሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል ንፈለማ እዋን 124 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ሓፈሻዊ እቶት ብምእካብ 39 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ንፁህ ከስቢ ንኸመዝግብ ኣኽኢሉዎ።

ካብ ዝተወሰነ መደብ 101 ነጥቢ 83 ሚእታዊት ክዕወት ምኽኣሉ፣ ብቕዓት ኣፈፃፅማ ስትራቴጂካዊ መደብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ናይ ኢኮኖሚ ናፅነታን ናይ ዲፕሎማሲ ፅዕንቶ ፈጣራይነታን ንምዕባይ ዝሕግዝ እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ድማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ ገናሌ ዳዋ 6፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ 2ይ ኣይሻ፣ ከምኡ’ውን ብውሽጣዊ ፋይናንስ ዝህነፅ 100 ሜጋ ዋት ዓቕሚ ዘለዎ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ፕሮጀክት ንምጅማር መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ብተወሳኺ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣይሻ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ 40 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፈልፍል ትፅቢት ይግበረሉ።

እዞም ተበግሶታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ናይ ቀጥታዊ ሓምለዋይ ልማት ኣብነት ካብ ምዕባይ ሓሊፎም ጂኦፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዓቕማ ብዝተዋሃሃደ መንገዲ እናጠናኸረት ከም ዘላ ብግልፂ ዘርእዩ እዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.