ኤር ፖሊስ ናይ ኩሉ እዋን ድልውነት ሰራዊት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኤር ፖሊስ ናይ ኩሉ እዋን ድልውነት ሰራዊት ብዝበለፀ ከጠናኽር ይግባእ ኢሎም።
እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ ኤር ፖሊስ ብምርካብ መምርሒ ስራሕ ሂቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ክፍለ ሰራዊት ኤር ፖሊስ ንድሕነት ሃገር መኹሪዒ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ብእምነት ብምሕላውን ሰላም እቲ ከባቢ ኣብ ምርግጋእን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ትካል ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኣመራርሓ ኤር ፖሊስ ኣብ ኩሉ ብርኪታት፣ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኩሉ እዋን ድልውነት ሰራዊት ከጠናኽሩን ኣብ ምሕላው ድሕነት ትካልን ምኽባር ደንቢን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ኣጠናኺሮም ክቕፅሉን ኣገንዚቦም።
ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኤር ፖሊስ ሌተናል ኮሎኔል ኦርዶፋ ድንቁ ብወገኖም፤ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ድልውነት ንምርግጋፅ ብኸታታሊ ዝካየድ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ወሳኒ ዓቕሚ ምዃኑ ገሊፆም።
ንኣመራርሓ ኤር ፖሊስ ዝተዋህበ ስልጠና ብቐንዱ ኣብ ጥበብ ወታደራዊ ኣመራርሓ፣ ኣብ ኣንፈታት ምህናፅ ስነ ልቦና ሰራዊትን ኣብ ግንዛበ ሕጊን ዘድሀበ እንትኸውን፤ እቲ ኣመራርሓ ዝሓሸ ዓቕሚ መሪሕነት ንኽህልዎ ዝዓለመ ምዃኑ ኣንላይን ሚዲያ ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ሓቢሩ።