Fana: At a Speed of Life!

ፃምእ ኲናት እታ ጋዜጠኛን ድሑር ያታ ካይሮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ብብዙሓት ጂኦ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት እናተሓመሰት ኣብ ትርከበሉ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሽም ጋዜጠኝነት ዝተራእየ ዘሕዝን ተግባር ኣዘራራቢ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።

ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ሃድሊ ጋምብል ኣብ “ዘ ናሽናል ኒውስ” ዝተብሃለ ሚድያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ባድር ዓብደላቲ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ካብ ልሙድ ፖለቲካዊ ትንታነ ዝሓለፈ፣ ናብ ጎንፂ ዝደፋፍእን ቀስቃሲ ጎንፂ ዝመስልን ዘገርም ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓሊፉ።

እታ ጋዜጠኛ መስርሕ ሰላምን መፍትሒን ክትከውን እናተገበኣ፣ ሃገራት ናብ ጎንፂ ከምርሓ ዝገብር ኣቀራርባ ምኽታላ ዘሕዝን ተግባር ኮይኑ እዩ። ነቶም ሚኒስትር ዘቕረበቶም ሕቶታት እውን እቲ ሚድያ ክኽተሎ ካብ ዝግባእ ገለልተኛን ሃናፂን ግደ ዝወፅአ እዩ።

ነዚ ዓይነት ደፋፋኣይ ኣቀራርባ እታ ጋዜጠኛ ምላሽ ዝሃቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ እውን፤ እቲ ንዘበናት ዝፀንሐን ዝተለመደን ዲፕሎማሲያዊ ስክሪፕት ካይሮ ካብ ምድጋም ኣይተቖጠቡን።

“ማይ ንዓና ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ!” ዝብል ያታ ዳግም ብምልዓል ግብፂ ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዞባዊ ቅልውላዋት (ከም ጋዛ፣ ሊብያን ሱዳን ዝበላ) ሸለል ብምባል ትኹረታ ኣብ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ምግባራ ከም መርትዖ ክቐርብ ዝኽእል እዩ።

እቶም ሚኒስትሩ ነቲ ደፋፋኣይ ኣቀራርባ እታ ጋዜጠኛ ንምልዛብ፤ “ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንፈትዎ ኢና” ዝብል ዲፕሎማሲያዊ ምላሽ ክህቡ እንተፈተኑ እውን፤ ግብፂ ብተግባር ክሳብ ሕዚ ካብ ዜሮ ድምር ኣረኣእያ ከም ዘይወፅአት ይገልፅ፣ እዚ ድማ ኣብ ዘተን ውፅኢትን ዝተመስረተ መፍትሒ ንምምፃእ ዘለዋ ድልውነት ኣብ ሕቶ ከም ዝኣቱ ይገብር።

እቲ ሓቂ ግን ኣብ መድረኽ ዝስማዕ ኣውያት ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ክቕይሮ ከም ዘይክእል እዩ።

እዚ ታሪኻዊ ፕሮጀክት ንኢትዮጵያ ብርሃን ናይ ምርካብ መሰላ ዘረጋገፀ እምበር ንሓደ ካልእ ሰብ ወይ ሃገር ጉድኣት ንምውራድ ዝዓለመ ከም ዘይኮነ ብተግባር ተራእዩ እዩ።

ሕዚ ናብ ድሕሪት ተመሊስካ ብዛዕባ እቲ ግድብ ወተሃደራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ምፍርራሕ ምስማዕ ወይ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ክሲታት ምድርዳር ግዚኡ ዝሓለፎን ረብሓ ዘይብሉን ኣቀራርባ ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ።

እዚ ጭቡጥ ሓቂ መሰረት ዝገበረ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ “ካብ ምእዋን ብተግባር ምርኣይ” ብዝብል ፅኑዕ መትከል ዝምራሕ ኮይኑ ኣሎ። እታ ሃገር ደጋዊ ፀቕጢታት ብትዕግስቲ እናሰገረት፣ ምሉእ ትኹረታ ኣብ ልምዓት ገይራ እያ።

ካብ ዓቢይ መፈለፈሊ ሓይሊ ጉባ ተበጊሱ ክሳብ ምብራቕ ጎዴ ዝተዘርግሐ ጉዕዞ ልምዓት፣ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ መገዲ ምዕባለ ብግልፂ የርኢ። ብሓደ ወገን ኤሌክትሪክ እናፈልፈለት፣ ብኻልእ ወገን ድማ ንምርግጋፅ ሉኣላውነት ምግቢ ፍርያት ስርናይ እናወሰኸት ከምኡ እውን ከተማታታ ብዘበናዊ ኮሪደራት እናማዕበለት ትርከብ።

እዚ ዓይነት ኣብ ስራሕ ጥራሕ ዘድሀበ፣ ደጋዊ ትንኮያታት ብውፅኢት ናይ ምምካት ዝለዓለ ስትራተጂ እዩ።

ዓለም ለኸዊ ሚድያታትን ከም ሃድሊ ጋምብል ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታትን ብዛዕባ ጉዳያት ኣፍሪካ ክፅብፅቡ እንተለዉ፣ ብዛዕባ ጭቡጥ ኩነታት እታ ኣህጉር፣ ብዛዕባ ሉኣላውነትን መትከላት ሓባራዊ ተረባሕነትን ዓሚቕ ግንዛበ ክህልዎም ይግባእ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሰላም ንምሕላው እምበር ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍርራሕ ዝውዕል ከም ዘይኮነ ምግንዛብ መሰረት ዘበናዊ ዲፕሎማሲ እዩ። ካይሮ’ውን ነቲ ናይ ቀደም ያታ ብምግዳፍ ነቲ ሓዱሽ ሓቂ ምትሕብባርን ሓባራዊ ተረባሕነትን እንተተቐቢላቶ ንሰላም እቲ ዞባ ዝሓሸ እዩ።

ብሃይለኢየሱስ መኮንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.