Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዓወት ዘርኣየ ታሪኻዊ ፍፃመ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 24፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምህናፅ ሃገረ መንግስቲ ሓባራዊ ፃዕርን ምርድዳእን ዝሓትት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ውፅኢት ብዙሓት ከይዲታት እዩ።

ካብዞም ወሰንቲ ግደ ዝፃወት ድማ ዘተ እዩ፤ ዘተ ቂምን ቁርሾን ብምፍታሕ፣ ምፅጋን ቁስልታት ታሪኽን መበገሲኡ እዩ። ብብዙሕ ከይዲ ዘይምርድዳእ ሓሊፉ ንሓድሕድካ ብምስማዕ ናብ ምርድዳእ ብምስጋር፣ መወዳእታኡ ድማ ሓባራዊ ሃገረ መንግስቲ ምህናፅ እዩ።

“ሮም ኣብ ሓደ እዋን ኣይተሃንፀትን” ከም ዝበሃል፣ ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ምህናፅ ብሓንቲ ለይቲ ናብ ውፅኢት ዝበፅሕ ኣይኮነን፤ ትዕግስቲ ኩሉ ዜጋ፣ ምፅውዋርን ናይ ምስራሕ ቆራፅነትንዝሓትት ጉዳይ እዩ።

ዝተዘርአ ኩሉ ብሓንቲ መዓልቲ ንፍረ ኣይበቕዕን፣ ኣይብላዕን ስለዚ ንወለዶታት መሰረት ዝኾነት ውቅብቲ ሃገር ክንሓድግ እንኽእል ብትኽክል ዝተኸልናያን ብጥንቃቐ ዝተኸናኸንናያን ሃገር እያ።

በስላታት ታሪኽን ፍልልያት ሓሳብ ፖለቲካን ዝፈጠርዎ ዘይምርድዳእ ተረዲኦም፣ ኣብ ህዝብታት ምክፍፋል ክፈጥሩ ዝደልዩን ኢትዮጵያ ናብ ዞባ ኲናት ክቕይርዋ ዝሰርሑን ዝተፈላለዩ ኣካላት ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ዘይተቛረፀ ስራሕ ብምስራሕ ድቃስ ስኢኖም ይሰርሑ።

ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምክፍፋልን ህዝብታት ብሓባር ሃገራዊ ረብሓኦም ንምሕላው ካብ ረብሓ ብምሕሳብ ዝመፀ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ዘይዓገቡ ባንዳታት ከም መተሓባበርትን ንረብሓ ተገዛእትን ብሓባር ይሰርሑ።

ኢትዮጵያ ግን ዝጠቕማ ተረዲኣ፣ ካብ ታሪኽ እውን ትምህርቲ ወሲዳ፣ ነቲ ቀደም ዝነበራ ክብሪ ዝምጥን መንገዲ ብምኽታል ዘተ ከም ኣንፈት ፍታሕ ብምግባር፣ ካብቶም ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ኣብ መብዛሕትኦም ብምርድዳእ ናብ ስምምዕ በፂሓ እያ።

እቲ ዘተ ንዘመናት ብኲናት፣ ብሓይልን ብፖለቲካዊ ክጓተቱ ዝፀንሑ ያታታት ስብራት ካብ ብብረት ዝሓሸ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፍትሑ ከም ዝከኣል ዘርኢ ዓብዩ መርኣያ እዩ።

እዚ ከይዲ ዘተ መበገሲ እምበር መወዳእታ ብዘይምዃኑ እቶም ዝተረፉ ዘይምርድዳኣት እውን ካብ ኩናትን ብምውፃእ ብመንገዲ ዘተ ክፍትሑ ከም ዝከኣል ዝተገለፀ ንኢትዮጵያን ህዝብታታን ዓወት ዘርኣየ ታሪኻዊ ፍፃመ እዩ።

ብቤተልሄም ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.