Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 24፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኤክስ ገፆም ብፅሑፍ ከምዝበልዎ፤ ብስም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብሕልፈት ንጉስ ሃራልድ 5ይ፤ ንኽቡር ንጉስ ሃኮን 8ይ፣ ንንጉሳዊ ስድራቤት፣ ንመንግስትን ህዝብን ኖርወይ ዝተሰምዐና ዓሚቝ ሓዘን ንገልፅ ኢሎም።

ኖርወይ ፅኑዕ መሓዛ ኢትዮጵያ እያ፤ ኣብዚ ኣፀጋሚ ሰዓት እውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኖርወይ ደው ክንብለ ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.