Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብሓባር ታሪኻዊ ዓወት ፅሒፉ – ኣቶ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንሰላምን ሓድነትን ኣብነት ዝኾነ ትካል እዩ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ።

መበል 15 ዓመት ምስረታ በዓልን መበል 18 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር መሓመድ እድሪስ ከምዝገለፁዎ፤ ገባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓድነት ንምጥንኻርን ሰላም ንምፅናዕን ብዙሓት ተግባራት ወጊኑ።

እቲ ትካል ንሓድነት፣ ሓባራዊ ምሕዝነትን ሕውነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ዝተኻየደ ፃዕሪ ብምድጋፍን ውፅኢታዊ ንምግባርን እወንታዊ ግደ ከምዝተፀወተ ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ፀገማት ብሓባር ብምስጋር ተምሳሌት ሓድነትን ሰላምን ኮይኑ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትሩ፤ ብመሰረት እዚ እቲ ትካል ልዑል ታሪኽ ዓወት ከምዝፀሓፈ ኣመልኪቶም።

ካብ ፍልልይ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ብዝበለፀ ምድሃብ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ትካል ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንሰላም፣ ንሓቂን ንፍትሒን ኣርኣያ ዝኾነ መንነት ብምህናፅ ህዝቢ ክመርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦሉ።

ኣብቲ መድረኽ ጉዕዞ 15 ዓመታት እቲ ትካል ብምግምጋም ጥንኩር ጎድኒታት ብምድልዳልን ብምቕፃልን ከምኡ እውን ዝተርኣዩ ክፍተታት ብምእራም ልኡኽቶ እቲ ትካል ብዝበለፀ ክጠናኸር ምግባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.