Fana: At a Speed of Life!

ሓራዊ ጉዕዞ ትካላት ሃይማኖት ንሰላም፣ ንማሕበራዊ ውህደትን ሃገራዊ ልምዓትን ልዑል ግደ ኣለዎ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ 26፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ን15 ዓመታት ዘካየዶ ሓበራዊ ጉዕዞ ምትሕብባር ትካላት ሃይማኖት ኣብ ምጥንኻር፣ ሰላምን ማሕበራዊ ውህደትን ኣብ ምዕባይ፣ ንሃገራዊ ዕቤትን ልምዓትን ወሳኒ እጃም ተፃዊቱ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

መበል 15 ዓመት በዓል ምስረታን መበል 18 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ጉባኤ ኣቦታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝእከቡሉ መድረኽ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ታሪኽ እታ ሃገር፣ ህሊና ህዝባን ሓባራዊ ድሌታትን ዝዝከረሉን ዝምከረሉን ታሪኻዊ መድረኽ ኢዩ።

ጉዕዞ 15 ዓመታት እቲ ጉባኤ፤ መግለፂ ፍልጠት፣ ጥበብ፣ ምስትውዓልን ሓቢርካ ምንባርን ኮይኑ ከም ዝቐፀለ ብምዝኽኻር ትካላት ሃይማኖት ትምህርቶም፣ መንፈሳዊ ፀጋታቶምን ሓድነቶምን ከም ሃፍቲ ብምውሳድ ንሃገር ብሓባር ደው ምባሎምን ብሓባር ምዝታዮምን ንወለዶታት ዝሓልፍ ዓብዪ ክብሪ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ እምነት ብተግባር ካብ ምፅናዕ፣ በረከት ሰላም ካብ ምስፋሕን ንጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ምስ ምብርካትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዋጋ ሰላም፣ ዕቤትን ልምዓትን ዘለዎ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ትካላትን መራሕቲን እምነትን ብፍላይ ድማ ንመናእሰይን ሰገናትን ካብ ኣጉል ባህሊን ልምዲን ብምሕላው፣ ንሃገርን ንሕልናን ዝቖመ ወለዶ ኣብ ምህናፅ ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ባህሊ፣ ስነ-ምግባር፣ ሕልናን ጨዋነትን ኢትዮጵያዊ ዝፃረሩ ተግባራት ጥፍኣት፣ ስርቂ፣ ጭካነን ካልኦት ኣሉታዊ ተግባራትን ከይስፋሕፍሑ ምምሃር፣ ምምዓድን ምእራምን ቀዳማይ ተግባር ትካላት እምነት ክኸውን ከም ዝግባእ ኣመልኪቶም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ተወከልቲ እምነት ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምንባሩ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ንሃገራዊ ምርድዳእን ምምላስ ሰላምን ኣብ ዝተኻየደ ፃዕሪ ግደ ትካላት እምነት ልዑል ምንባሩ እውን ኣስሚሮምሉ።

መንግስቲ ትካላት እምነት ንዘላቒ ሰላም፣ ንማሕበራዊ ውህደትን ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕቤትን ዝገብሩዎ ኣስተዋፅኦ ብምግንዛብ፣ ናፅነት ትካላት እምነት ኣብ ምሕላው ንዝቕፅል ስራሕ እቶም ትካላት ዘድልዩ ምሕዝነት፣ ምትሕብባርን ሓገዝን ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.