Fana: At a Speed of Life!

ዝቕፅሉ መዓልታት ጳጉሜን “ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበሩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝቕፅሉ መዓልታት ጳጉሜን “ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ስያመታት ክኽበሩ ኢዮም ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲቲ ከበደ ደሲሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ዝተዛዘመ ዓመት ንጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ዘመልክቱ ዓወታት ዝተመዝገቡሉ ዓመት ምዃኑ ገሊፆም።

በዚ ምኽንያት ዝቕፅሉ መዓልቲታት ጳጉሜን “ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ስያመታት ከም ዝኽበሩ ኣመልኪቶም።

ጳጉሜን 1 – መዓልቲ ዝላ – ኢትዮጵያ ካብ ዝደንጎየ ዕቤት ተናጊፋ ናብ ቅልጡፍ ምዕባለ ናይ ዕቤት መስመር ዝኣተወትሉ ለውጢ ንምርኣይ ዝውዕል መዓልቲ ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ዕለት ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘምፅኡዎ ቅልቱፍ ለውጢ ንምግላፅ ዝውዕል ክኸውን እዩ ኢሎም።

ጳጉሜን 2 – መዓልቲ ምብራኽ – 2018 ዓ.ም ኢትዮጵያ ካብ ዝደንጎየ ዕቤት ናብ ኩለመዳይ ብራኸ ምስግጋር ዝጀመረትሉ ዓመት ብምዃኑ እቲ ዕለት “መዓልቲ ምብራኽ” ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ።

ጳጉሜን 3 – “መዓልቲ ፅንዓት” ብዝብል ስያመ ክኽበር እዩ፤ ኢትዮጵያ ንዘመናት ክትሕልዎ ዝፀንሐት ናፅነትን ሉኣላውነትን ምቕፃል፣ ሓላፍነት ናይ ሎሚ ወለዶ ምዃኑ ንምግንዛብ እዚ ዕለት “መዓልቲ ፅንዓት” ዝብል ስያመ ከም ዝተዋህቦ ገሊፆም።

ጳጉሜን 4 – መዓልቲ ህብር – ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት መንነታት ሃገር ከም ዝኾነት ብምፅራህ ብዙሕነትና ጌፅናን ሕብረትናን እዩ፤ ሕብረትና ድማ ፍልፍል ሓድነትናን ፅንዓትናን ምዃኑ ንምዝኽኻር እዚ ዕለት “መዓልቲ ህብር” ክበሃል ከም ዝተወሰነ ኣብሪሆም።

ጳጉሜን 5 – መዓልቲ ፅባሕ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ። ዕላምኡ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ ዕድላ ሎሚ ብምስራሕ እናዳለወት ከምትርከብ ንምስትውዓል ምዃኑ ኣመልኪቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.