Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብምርካብ ስራሕቲ ምንቅስቓስ እቲ ትካል ተዓዚቦም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፤ ኣብ ሕትመት ፓስፖርት፣ ኣገልግሎት ወፃእተኛታትን ሓፈሻዊ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እቲ ትካልን ብምዝውዋር ተዓዚቦም።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣብ ፍሉይ ሪፎርም ኣተገባብራ ዝርከብ ኮይኑ፤ ኣሰራርሓኡ ብምዝማንን ዝተሳለጠ ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ በጀት ዓመት ብኣየርን ብዶብን ን7 ነጥቢ 2 ሚልዮን ዝኣክል ኣታዊን ወፃኢን ተጓዓዝቲ ኣገልግሎት ዝሃበ ኮይኑ፤ ፓስፖርትን ቪዛን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ልዕሊ 42 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ኣታዊ ክእክብ ክኢሉ።

ብቑዕ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ብምጥቃም ንባዕሉ ብምውዳብ ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት፣ ቪዛ፣ ሰነዳት ጉዕዞ፣ ንወፃእተኛታት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት፣ ከምኡ እውን ቁፅፅር ዶብ ኣየርን መሬትን ሓዊሱ ብዙሓት ተግባራት ብውፅኢታውነት እናፈፀመ ይርከብ።

እዚ ድማ መንግስቲ መደመር ብፍሉይ መትከልን ኣተገባብራን ዝሓዞ ንዜጋታት ዘኽብርን ንዕቤት ሃገር ዘሳልጥን ቀልጡፍን ተበፃን ኣገልግሎት ንምሃብ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ።

እቲ ትካል ተበጻሕነቱ ንምስፋሕ ጨናፍሩ ናብ 23 ክብ ከብል ዝኸኣለ ኮይኑ፤ ንልዕሊ 1 ሚልዮን ወፃእተኛታት ኣገልግሎት ሂቡ እዩ።

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.