Fana: At a Speed of Life!

ተሞክሮ ሓምለዋይ ኣሰር ዘካፍሉ መናእሰይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ከምርሑ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተሞክሮ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንምክፋል መናእሰይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ከምርሑ እዮም።

ምክትል ፕረዚደንት ክንፊ መናእሰይን ሓላፊት ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣባንግ ኩመዳን ከም ዝገለፀኦ፤ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት እታ ሃገር ዝተዋፅኡ መናእሰይ ናብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ከምርሑ እዮም።

እቶም 24 መናእሰይ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ናብ ጋና፣ ዚምባብዌን ናይጄሪያን ከም ዝጓዓዙ ገሊፀን።

እቲ መርሃ ግብሪ ምክፋል ተሞክሮ ንኻልኣይ ግዘ ዝካየድ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጉጅለ ክንፊ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፓኪስታን ተረኺቡ ተኸላ ፈልሲ  ምክያዱ ኣዘኻኺረን።

ጉዕዞ እቶም መናእሰይ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ብምክያድ ተሞክሮ ኢትዮጵያ ካብ ምክፋል ብተወሳኺ ምትሕብባርን ሕውነትን ንምጥንኻር ዝሕግዝ እዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.