Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ቅልጡፍ፣ ጠንካራን ንኹሉ ዝሓቑፍ ኢኮኖሚ ምህናፃ ክትቅፅል እያ -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 28፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ቅልጡፍ፣ ጠንካራን ንኹሉ ዝሓቑፍ ኢኮኖሚ ምህናፃ ክትቕፅል እያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፣ ኣብ ሃገርና ንፈለማ እዋን ፍሉይ ኩባንያ መሊሱ መጠናኸሪ ልቓሕ መግዝኢ ኣባይቲ ንምጥያሽ ዘኽእል ታሪኻዊ ማዕቀፍ ምትሕብባር ኣካይድና ኢሎም።

እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ (IFC)ን ዝተገብረ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ብ100 ቢሊየን ብር ኢትዮጵያ ካፒታል ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ድማ ክሳብ 200 ሚሊየን ዶላር ኣስተዋፅኦ ዝገብረሉ እዚ ትካል፣ ኣብ ዘፈር ባንክና ዘሎ ዘይምምጥጣን ፍሰት ጥረ ገንዘብ ንምፍታሕን፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበፃሒ ዝኾነ ፋይናንስ ልቓሕ መግዝኢ ኣባይቲ ንምቕራብን ዘኽእል ክኸውን እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እዚ ሽርክነት ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝህነፁን ክብሪ ኢትዮጵያውያን ዝሕልዉን 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኣባይቲ ንምቕራብ ልዑል ግደ ክፃወት እዩ ኢሎም።

ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ውልቃዊ ዘፈር ንምስፋሕ ዘቐመጥናዮ ዕላማ ንምዕዋት ወሳኒ ስጉምቲ እዩ ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.