ቁፅሪ “4ጂ” ተረባሕቲ ከተማታት ናብ 1 ሺሕን 500ን ንምዕባይ ክስራሕ እዩ – ፍሬህይወት ታምሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 28፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ተረባሕቲ “4ጂ” ዝኾና ከተማታት ቁፅሮም ናብ 1 ሺሕን 500ን ንምዕባይ ክስራሕ እዩ ኢለን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ።
ኢትዮ ቴሌኮም “ዝመፅእ ኣድማስ” ዝብል ናይ 3 ዓመት ስትራቴጂኡ 2ይ ዓመት ትልሚ ስራሕ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ትልሚ ቁፅሪ ዓማዊል ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ፅሬት ኔትወርክን ኣገልግሎትን ምምሕያሽ ቀንዲ ዕላማኡ ከም ዝገበረ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብሪሄን።
እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ዓማዊል ልዕሊ 90 ሚሊየን ናብ 92 ነጥቢ 3 ሚሊየን ንምዕባይ ዕላማ ከም ዝተቐመጠን ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ኣገልግሎት ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ምዃኑን ተዛሪበን።
ተረባሕቲ 4ጂ ዝኾና ከተማታት ቁፅሮም ካብ 1 ሽሕን 200ን ናብ 1 ሽሕን 500ን፣ ከምኡውን ተረባሕቲ 5ጂ ዝኾና ከተማታት ካብ 33 ከተማታት ናብ 73 ከተማታት ንምዕባይ ከም ዝተወጠነ ኣረዲአን።
ቁፅሪ ዓማዊል ቴሌብር ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ልዕሊ 60 ሚሊየን ናብ ልዕሊ 67 ሚሊየን ንምዕባይ ዕላማ ከም ዝተቐመጠ እውን ገሊፀን።
እቲ ትካል ዝረኽቦ እቶት ካብ ኣገልግሎት ስልኪ ጥራይ ዘይኮነ፣ ልዕሊ 312 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ቴሌኮም ብምጥቃም 295 ቢሊየን ብር እቶት ንምርካብ ከም ዝተወጠነ ኣመልኪተን።
ካብዚ ውሽጢ ድማ 253 ሚልዮን ዶላር ብሸርፊ ወፃኢ ንምእካብ ዕላማ ከም ዝተቐመጠ ሓቢረን።
እቲ ስትራቴጂ፣ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030” ንምዕዋት ዝዓለመ ኮይኑ፣ ሰብ ተኮር ተግባራት ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።
ብኣመለወርቅ መኳንንት