ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወርሒ መስከረም ንዝኽበሩ በዓላት ዝኸውን እኹል ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ይቐርብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንበዓላት ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም፣ መስቀልን ኢሬቻን ዝኸውን እኹል ጠለብ ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንነበርቲ እታ ከተማ እናቐረበ ይርከብ ኢሉ ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ።
ዋና ኮሚሽነር ሽታዬ መሓመድ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ መፅናዕቲ ዕዳጋ መሰረት ብምግባር ኣብ እዋን በዓላት ኣብ ዕዳጋ ዝፍጠር ጠለብ ብምፍላይ እኹል መጠን ፍርያት ክቐርቡ ብሰፊሑ እናተሰርሐ ምፅንሑ ኣመልኪተን።
እቲ ኮሚሽን ምስ ኣፍረይቲ፣ ኣምፃእቲ፣ ዩኒየናትን ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ብምትሕብባር ምትእስሳር ፍርያት ብምፍጣር ፍርያታት ብእኹል መጠን ክቐርቡ ገይሩ እዩ ኢለን።
እዞም ፍርያት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ 700 ዘበናዊ ድንኳናት ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዓደግቲን ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን፣ ኣብ ናይ ሓዱሽ ዓመት ኤግዚቢሽናትን ባዛራትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን እናቐረቡ ምዃኖም ገሊፀን።
እዞም ፍርያት ብተመጣጣኒ ዋጋ ምቕራቦም ናይ ነበርቲ ናይ በዓል ጠለብ ንምምላእ፣ ምኽባር ናብራ ንምቅላልን ዕዳጋ ንምርግጋእን ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎም ኣብሪሀን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋን እቲ በዓል 274 ማሕበራት ልኳንዳ ስጋ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ምድላው ከም ዝተገብረ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ እዋን በዓል ዝረአ ወሰኽ ዋጋ ንምቁፅፃር ኣበርክቶ ከም ዝገብር ገሊፀን።
ሕብረተሰብ ነዞም ፍርያት ካብ ድኳናት ማሕበራት ሕብረት ስራሕ፣ ካብ ማእኸላት ኤግዚቢሽንን ባዛርን፣ ከምኡ እውን ካብ ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን ብምዕዳግ ብተመጣጣኒ ዋጋ ተጠቀምቲ ንኽኾኑ ፃውዒት ምቕራበን ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመልክት።