ስራሕቲ እቲ ቤት ምኽሪ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ብሙሉእ ስራሕተኛ ሓበራዊ ፃዕሪ እዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 30፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ስራሕቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዕዉታትን ውፅኢታዊ ክኾኑ ዝኸኣሉ ብምትሕብባርን ብፃዕርን ኩሎም ሰራሕተኛታት እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።
ኣብ 2018 ዓ.ም ኣብ ስራሕቶም ዝለዓለ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ስነ-ስርዓት ተኻይዱ።
ኣብዚ እዋን ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ምኽሪ ንዝተኻየዱ ውፅኢታዊ ዝበረታታዕ ተግባራት ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ዘበርከቶ ግደ ልዑል እዩ ኢሎም።
ሰራሕተኛታት ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዘካየዱ ብምግላፅ ንዘርኣይዎ ዝለዓለ ኣፈፃፅማ ስራሕ ምስጋና ብምቕራብ ሽልማት ከም ዝተበርከተሎም ተገሊፁ።
ኣብ ቀፃሊ ዝመፁ ሓደሽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብመሰረት ልሙድ ሕግን ኣሰራርሓን እቲ ቤት ምኽሪ ተቐቢሎም ብብቕዓት ከገልግሉ ይግባእ ምባሎም ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ የረድእ።