Fana: At a Speed of Life!

ናይ ለውጢ ዘበን ኣንፈት ትውልዲን ሃገርን ዝተወሰነሉ መሰረት ዝላ እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ለውጢ ዘበን ኣንፈት ትውልዲን ሃገርን ዝተወሰነሉ መሰረት ዝላ እዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምኽባር መዓልቲ ዝላ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ዕለት ኢትዮጵያ ካብ ፈተና ናብ ዓወት፣ ካብ ፅግዕተኛነት ርእሳ ናብ ምኽኣል፣ ካብ ተረዳኣይነት ናብ መፍረያይነት እናተሰጋገረት ትርከበሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ እነበስረሉ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብምምራሕ ዝተኻየዱ ሪፎርምታት መሰረት ኢኮኖሚ መሰረት ኢትዮጵያ ከምዘጠናኸሩ ተዛሪቦም።

ኣብ ዘፈር ሉኣላውነት ምግቢ ዓበይቲ ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ ብምፅራህ፤ ኣብ ልምዓት ስርናይ ብመስኖ፣ ሩዝ፣ ዕፉንን ካልኦት ዝራእቲን ዝተመዝገቡ ዓወታት ብብርተዐና ዝዓተርናዮም ኣዝመራታት እዮም ኢሎም።

ሓዱሽ ምህዞን ቅልጣፈን መለለዪኡ ዝገበረ መንግስቲ መደመር ዝጀመሮም መርሃ ግብሪታት ትሩፋት ሌማት ዝተረኽቡ ፍረታት፣ ከምኡ እውን ኣብ ክላስተር ሕርሻን ዘበናዊ ኣሰራርሓታት ሕርዳን ዝተወሰዱ ተግባራዊ ስጉምትታት፣ ኢትዮጵያ ንርእሳ ዝኸውን ምግቢ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ዘርእዩ እዮም ኢሎም።

ሉኣላውነት ምግቢ ንዓና ሸቶ ልምዓት ጥራይ ዘይኮኑ፤ መረጋገፂ ናፅነትና፣ ክብርናን ፅንዓትናን ከምኡ እውን ድሙቕ ማሕተም ናይዚ ወለዶና እዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲታት ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ዲጂታልን ዝተኻየደ ለውጢ ፖሊሲን ኣመራርሓን፤ ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ መስጋገሪ ምዕራፍ ከምዝኸፈተላ ፀሪሖም።

መንግስቲ መደመር ብዝጀመሮም ዓውዲታት ዝርአ ዘሎ ዝላን ናይ ትማሊ ቆራፅነትና ፍረ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብራኸና እውን ውፅኢት ናይ ሎሚ ፃዕርና ፃምዝኸውን ኣመልኪቶም።

ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎደና መደመር ብምትላም፤ እናፍረየት፣ እናተለወጠትን እናተሓደሰትን ትርከብ እውን ኢሎም።

እዛ መዓልቲ ዝላ ድማ መርኣያ ናይ ዓወታትና ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ናብ ዝቕፅል ልዑል ደረጃ ዕቤት ንምስግጋር ሓባራዊ ቃል ኪዳና እንሕድሰሉ ዕለት ክንገብራ ይግባእ ኢሎም።

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.