ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮ ቴሌኮም፡ ናብ ምሉእ ዲጂታል ኢኮኖሚ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ንኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ስነ ምህዳር ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምስግጋር ዝዓለመ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ብምሕንፃፅ ብቆራፅነት ይትግብር ኣሎ።
እዚ ስትራቴጂ እቲ ትካል ካብ ኣቕራቢ ርክብ ኣገልግሎት ናብ ኣቕራቢ ዘመናዊ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ፋይናንሳዊ ፍታሕን ንኽስጋገር ዓብዪ መገዲ ዝኸፈተ እዩ።
ብመሰረት እዚ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም ብሰፊሑ ካብ ምስፋሕ ብተወሳኺ ተበፃሕነት 4ጂ ናብ 95 ሚእታዊ ንምዕባይ ከምኡ እውን ተጠቀምቲ 4ጂ ዝኾና ከተማታት ካብ 1 ሺሕን 200 ናብ 1 ሺሕን 500 ንምዕባይ ይሰርሕ ኣሎ።
ብተወሳኺ ተበፃሕነት ኔትወርክ 5ጂ ዘለወን ከተማታት ካብ 33 ናብ 73 ምዕባይ፣ ሃገራዊ መስመራት ፋይበር ኦፕቲክስ ምጥንኻርን ዓቕሚ ማእከላት ዳታ (Data Centers) ምዕባይን ቀንዲ ትኹረታቱ እዮም።
ቁፅሪ ዓማዊል ናብ 96 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቁፅሪ ተጠቀምቲ ቴሌብር ድማ ናብ 67 ነጥቢ 69 ሚልዮን ንምብፃሕ ከምዝተወጠነ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ተዛሪበን ምንባረን ይዝከር።
እዚ ድማ ሃገራዊ ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕዋትን ዕለታዊ ህይወት ዜጋታት ብቴክኖሎጂ ንምቕላልን ፅኑዕን ዘተኣማምንን መሰረተ ልምዓት ይፈጥር።
ካሊእ ቀንዲ ዓምዲ ናይዚ ትልሚ ለውጢ ድማ ኣካታታይነት ፋይናንስ ምርግጋፅን ስርዓት ዲጂታል ንግዲ ምስላጥን እዩ።
ብፍላይ ብመድረኽ ቴሌብር ኣቢሉ ቅድም ክብል ኣገልግሎት ባንኪ ዘይረኸቡ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ ስነ ምህዳር ዲጂታል ፋይናንስ ክኣቱ ምግባሩ፣ ንንግዳዊን ፋይናንሳዊን ምንቅስቓስ ሃገር ብዝለዓለ ደረጃ ቀይርዎ እዩ።
ኣብዚ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ንልዕሊ 17 ነጥቢ 18 ሚልዮን ዓማዊል ቴሌብር ክሳብ 35 ነጥቢ 04 ቢልዮን ብር ዝበፅሕ ኣገልግሎት ንኡስ ልቓሕ ንምሃብ ተወጢኑ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰረ፣ ከም ዘመን ገበያ ዝኣመሰሉ መድረኻት ኢ-ኮመርስ ምስፋሕ፣ ኣገልግሎታት ክላውድ ኮምፒዩቲንግ ምቕራብን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ መስርሕ ስራሕ ምውህሃድን፣ ኣሰራርሓ መንግስትን ኩባንያታትን ንምዝማን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ።
ብኣብረሃም ኣበራ