ብራኸ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዝኣወጀ መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉጥ ተቓላሳይ ናፅነት ኔልሰን ማንዴላ ሓደ ፍሉጥ ኣባሃህላ ኣለዎም።
ህዝቦም ናፃ ንምውፃእ ኣብ ዝገበሩዎ ቃልሲ ህዝቢ ባዕሉ እንተዘይክኢሉን ናብራኡ እንተዘይኣመሓይሹን ናፅነቱ ምሉእ ከምዘይኸውን ኣስሚሮምሉ ነይሮም።
«ባዶ ከብዲ ናፅነት ኣይኮነን። ድኽነት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ሓቀኛ ዲሞክራስን ሉኣላዊነትን ክህሉ ኣይኽእልን፤ ዜጋታት ካብ ጥሜትን ድኽነትን እንትናገፉ ጥራሕ እዩ ሃገራዊ ናፅነቶም ምሉእ ዝኸውን» ዝብል እዩ ኣባሃህላ ኔልሰን ማንዴላ።
ኣብ ዘበናዊ ዓለም ትርጉም ሉኣላውነትን ናፅነትን እናተቐየረ ይመፅእ ኣሎ። ድኽነት ሒዝካ ናፃ ሃገር ምዃን ዘይከኣል ኮይኑ እዩ። ሎሚ ሉኣላውነት ካብ ዶብ ሃገር ሓሊፉ፣ ናይ ፖሊሲ ናፅነት እውን ዝሓቖፈ ጉዳይ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ 1 ጳጉሜን 2018 ዓ.ም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ «ኣቦታትና ዶብን ድምበርን ኢትዮጵያ ብደምን ብኣዕፅምቶምን ኣረጋጊፆም ዓባይ ሃገር ኣውሪሶምና፤ ሎሚ ድማ ካብ ልመናን ፅግዕተኛነትን ተናጊፉ ብዘሎ ሓድሽን ታሪኻዊን መንገድና ሓቀኛ ሉኣላዊነት እናረጋገፅና ንርከብ» ኢሎም።
ሉኣላውነት ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራሕ ዝሓለፈ ብምግቢ ባዕልኻ ምኽኣልን ብኢኮኖሚ ፅንዓትን ዝምዘን ሃገራዊ ክብሪ እዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ዝጠቐሱዎም ሰለስተ ዓበይቲ መርኣያታት፤ መፍረያይነት ስርናይ፣ ትሩፋት ሌማትን ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ከምኡ እውን ውሳነታት ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብ ድሕሪኦም ዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታን ንርአ።
ናይ ሎሚ ወለዶ ታሪኻዊ ሓደራ ኣቦታቱ ዝፍፅም ሃገር ካብ ወፃኢ ወራር ጥራሕ ብምክልኻል ዘይኮነስ ካብ ድኽነትን ፅግዕተኛነትን ብምንጋፍ እውን እዩ።
እዚ ኣገላልፃ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣብ ፖሊሲ ዘተ ኢትዮጵያ ጎሊሑ ዝስማዕ ዝነበረ ኣጀንዳ እዩ፤ ሉኣላውነት ማለት ዶብ ምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሃገራዊ ውሳነታት ብዘይ ፅዕንቶ ወፃኢ ብርእሰ ዓቕሚ ክትውስን ምኽኣል እውን ዝሓቖፈ እዩ። እዚ ንምርግጋፅ ድማ ብኢኮኖሚ ርእስኻ ምኽኣል ወሳኒ ቅድመ ኩነት ተገይሩ ይውሰድ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) «ብሚልዮናት ዝቑፀር ዶላር ስርናይ ካብ ምእታው ተበጊስና፣ ሎሚ ድማ ቀዳሞት ኣፍረይቲ ስርናይ ኣፍሪካ ብምዃን ብሚልዮናት ዶላራት ወፃኢ ክነድሕን ክኢልና ኢና» ኢሎም።
ኣብ 2015 ዓ.ም ጥራሕ 151 ሚልዮን ኩንታል ስርናይ ፈርዩ እዩ። ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 104 ሚልዮን ኩንታል ኣብ እዋን ክረምቲ፣ 47 ሚልየን ኩንታል ድማ ካብ ልምዓት መስኖ ዝተረኽበ እዩ። እዚ ምህርቲ ስርናይ ኣብ 2016 ዓ.ም እውን ናብ 23 ሚልዮን ቶን ከምዝዓበየ ተገሊፁ እዩ።
ኣብቲ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዞባ ባሌ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ መደብ ምጅማር ንግዲ ወፃኢ ስርናይ ብወግዒ ዘካየዱ እንትኾኑ፤ ብተወሳኺ፣ ኬንያን ጅቡቲን ስርናይ ካብ ኢትዮጵያ ንምዕዳግ ኣብ ስምምዕነት በፂሐን።
እዚ ዓወት ብቐንዱ ብምስፋሕ ልምዓት መስኖ፣ ብኣሰራርሓ ክላስተር ሕርሻ፣ ከምኡ እውን ብፃዕሪ ክኢላታት ኤክስቴንሽን ሕርሻን ብርቱዓት ሓረስቶትን ዝተሃነፀ ናይ ዝላ መንገዲ እዩ።
ንሉኣላውነት ምግቢ ዝተገብረ ፃዕሪ ግን ኣብዚ ጥፃ ዝድረት ኣይኮነን። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብ«ትሩፋት ሌማት» ውሕስና ምግቢ ብተግባር እናረጋገፅና፣ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ድማ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ብምስፋሕን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ሉኣላውነትና እናረጋገፅና ንርከብ» ኢሎም።
ትሩፋት ሌማት ናይ ደረጃ ስድራቤት መደብ ባዕልኻ ብምግቢ ንምኽኣል ዝዓለመ እዩ። እዚ መደብ ድማ ፍርያት ፀባ፣ እንቋቑሖ፣ መዓርን ኣሕምልቲን ብኣሰራርሓ ኣሕምልት ገደናን ብንኣሽተይ እንስሳት ዘቤትን ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መልእኽቶም እንትዛዝሙ «እዞም ኩሎም ዓበይቲ ዓወታት፣ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙዋ ዘለዉ ውሽጣዊን ደጋውን ብድሆታት ከይተበደሀት ብፅንዓት ክትጎዓዝ ከም ዝኸኣለት ዘረጋግፁ ህያው ምስክራት እዮም፤ እዚ ጉዕዞ ዕቤትና ንዝመፅእ ዓመት ዝሓዞ ተስፋ ኣዝዩ ልዑል እዩ!» ኢሎም።
እዚ ናይ ጳጉሜን መልእኽቲ ምስ ሃገራዊ መንነትን ታሪኻዊ ሓደራን ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፤ ዓወታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብ ሓደ ንፁር ተረኽ ዘንበረ፣ ብራኸ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርኢን እዩ።
ብኣፈወርቅ እያዩ