Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) – መዓልቲ ፅንዓት

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንጳጉሜን 3 መዓልቲ ፅንዓት

መዓልቲ ፅንዓት

ንኢትዮጵያ እንትንሓስብ፣ ለይቲን ቀትሪን ብፅንዓት ብምቛም ሃገር ካብ ፀላኢ ንምሕላው ወፂኦም ንዝሓድሩ ብርቱዓት ሓይልታት ፀጥታና ቀዳምነት ከይሃብና ብዛዕባ ኩለመዳይ ብራኸ ምሕሳብ ፈፂሙ ኣይከኣልን።

ነዚ እዩ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ፅንዓት፣ ንዘላቕነትን ሃገረ መንግስቲን ሉኣላውነትን ክብሉ ክባር ህይወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑና ንዝፈፀሙዎ ታሪኻዊ መስዋእቲ ብልዑል ሃገራዊ ክብሪ እናዘከርናዮ ንርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ብናይባዕላ ፍልጠትን ብዓቕሚ ደቃን ልዑል ብቕዓት ቴክኖሎጂ ዘለዎን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት፣ ዘበናዊ ዝተዓጠቑ ወታደራዊ ተሽከርከርቲ፣ ከበድቲ ኣፅዋራትን መዳፍዕን፣ ከምኡ እውን ተተኮስቲ ጠያይቲ ብናይ ባዕላ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪታት ክተፍሪ ክኢላ እያ።

እዚ ብርእሰ ዓቕሚ ናይ ምቛም፣ ንሰላም ህዝብናን ንኩለመዳይ ዕቤት ኢኮኖሚናን ፅኑዕ መሰረት ብምዃኑ፤ ሃገራዊ ፅንዓትና ኣብ ጭቡጥ ልምዓትን ፅኑዕ ዓቕሚ ምክልኻልን ምህላው እናረጋገፅና ዘላቒ ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና!

#EthiopiaPrevails

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.