ኢትዮጵያ ካብ ምጥያሽ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ጀሚራ ድምፂ ኣፍሪካ ክትከውን ክኢላ እያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ካብ ምጥያሽ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ድምፂ ኣፍሪካ ክትከውን ክኢላ እያ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብምኽንያት መበል 24 መዓልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ እንዃዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ኣትሒዙ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘሎ ጉዕዞ ድምፂ ኣፍሪካ ኮይና ከምዝፀንሐት ኣዘኻኪሮም።
ኣዲስ ኣበባ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ንነዊሕ እዋን ከም ዘገልገለት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብ መፃኢ እዋን’ውን ኣህጉራዊ መሪሕነት ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዝተወሃሃደትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ዝተቐመጠ ራእይ ንምዕዋት ብቆራፅነት ከምእትሰርሕ ኣረጋጊፆም።