Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንምህናፅ ድሕነት ሳይበርን ሉዓላዊነት ቴክኖሎጂን መሰረታዊ ዓንድታት እዮም – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንምህናፅ ድሕነት ሳይበርን ሉዓላዊነት ቴክኖሎጂን መሰረታዊ ዓንድታት እዮም ኢሎም በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ፡፡

ፅባሕ 5 ጳጉሜን ብሃገር ለኸ “መዓልቲ ፅባሕ” ብዝብል ስያመ ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን፣ ሉዓላውነት ሳይበርን ዓወታት ኢትዮ ኮደርስን ብምርኣይ ከምኡውን ሓዳሽ ኢትዮጵያ ብዝውክል መልክዑ ብዝተፈላለዩ መደባት ክኽበር እዩ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፣ ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን እታ ሃገር ክዉን ንምግባርን ብሩህ ተስፋ ዘለዋ ሓዳሽ ኢትዮጵያ ንምህናፅን ሳይበር ድሕነትን ሉዓላውነት ቴክኖሎጂን መሰረታዊ ዓንድታት እዮም።

ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐትን ክትከውን ንምግባር ሎሚ እናተኻየዱ ዘለዉ ተግባራት መሰረት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ፅባሕ” ብዝብል ስያመ ሪፎርም ኣገልግሎት መንግስቲ፣ ሉዓላውነትን ድሕነትን ሳይበር፣ ሰብ ሰራሕ ብልሒ፣ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ሉዓላውነት ምግብን፣ ከምኡውን ዲጂታላዊ ክእለታት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ትኹረት ክግበር እዩ።

ብተወሳኺ ምህዳር ፈጠራን ዕድል ስራሕን፣ ሉዓላውነት ምግብን ምክልኻል ሓደጋ ስግኣትን፣ ከምኡውን ምንሳርራሕ ኢትዮጵያ ኣብታ ዕለት ትኹረት ዝግበረሎም ጉዳያት ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብኣመለወርቅ መኳንንት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.