Fana: At a Speed of Life!

ተዛሪብካ ምትግባር፣ ቃል ኣቲኻ ምፍፃም!

ናይዚ ዓመት ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ታራ ለውጢ መቑፀሪ መዓልቲ ጥራይ ኣይኮነን። ሃገርና ሓዱሽ ገፅ ገንፂላ ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፋ፤ መሪፃ፣ ተዛቲያ፣ ስዒራ፣ ከምኡውን ተሓዲሳ እያ። ፈተናታት ናብ ልዑል ዕድል ተቐይሮም እዮም።

ብፅንዓትን ትሕት ኢሎም ብዝሰርሑ ደቃ ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ናይ ዘመናት ዕንክሊል ንድሕሪት ከይምለስ ተገፊፉ እዩ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ለውጢ ጥራሕ፣ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ክንዓምሞም ዘይከኣልና ዓወታት ክነዕውት ክኢልና። ኣርሒቕካ ምትላም፣ ተሊምካ ምጅማርን ብቕልጡፍ ክትውድእን ዘኽእል ሓዱሽ ባህሊ ስራሕ እውን ሃኒፅና ኢና። እዚ ድማ ፍሉይ መግለፂ ሃገርናን መንግስታን ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኢትዮጵያ ብኢድ ዝተሓዝ ብርሃን በሪቑ ኣሎ። ካብ ውርሲ ኣፈሙዝ ዝርከብ ስልጣን ተናጊፉ «ሃገረ መንግስቲ ብካርዲ ህዝቢ ጥራሕ ይፅናዕ» ዝብል ድምፂ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተቓሊሑ። ህዝብና ቀትሪ ብፀሓይ፣ ለይቲ ብበረድ፣ ምስ ሕማሙ እናተቓለሰ፣ «ኣይትምረፅ» ምስ ዝበሎ እናተጋጠመ፣ እቲ ዝደልዮ ነጊሩና። ሃገር ኣፅኒዑ፣ ዲሞክራሲ መሪፁ።

ኣብ ማዕቐፍ ሃገራዊ ዘተ ደቂ ህብረ ብሄራዊት ሃገርና ተኣኻኺቦም ብዛዕባ ኣዶ ሃገሮም ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተዛቲዮም፤ ዘኪሮም። ይጠቅም እዩ ኢሎም ዝኣመኑሎም ሰናይ ሓሳባት ብናፅነት ኣቕሪቦም። ብሓፂሩ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ብሓርበኛታት እዚ ዘበን ሓዱሽ ገድሊ ተፈፂሙ። እዚ ሓቂ ተስፋ ደቅና ዘለምለመ፣ ኣብ ከይዲ ዘበናት ብኩርዓት እንነግሮ ወርቃዊ ታሪኽና እዩ።

ጠጠው ኣይንብልን! ጋና ብዙሕ ስራሕ ኣለና፤ ክንቅልጥፍ ኢና፣ ንኹሎም ዕንቅፋታት ብጥበብ እናዘለልና ናብ ድሌታትን ሕልሚታትን ሃገርና ብፅንዓት ክንቕፅል ኢና። ዓባይ ሃገር ኣላትና፤ እናተዛተይና ክንሃንፃ ኢና፣ እናሃነፅና እውን ክንዛተ ኢና። ንኹሉ ሰዓራይ ዝገበረ ሓዱሽ መገድና እዚ እዩ። ምዝታይ። ምዝታይ። ምዝታይ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዛዕባ ልዕልነት ሕጊ ብጥብቂ ዲሲፕሊን ካብ ዝምራሕ መገዲ ጎድና ጎድኒ፣ መንግስትና ንዘጠፍኡ ደቁ ብምሕረት ተቐቢሉ፤ ብዙሓት እሱራት ፖለቲካ ብይቕረታ ፈቲሑ። እዚ ውሳነ እዚ፣ ብዙሓት ሃገራት ዝተመነየኦ፣ ኢትዮጵያ ግን ዘሳኸዐቶ፣ ዕንክሊል ሕነ ምፍዳይ ዝሰበረ ዓቢዪ ስጉምቲ እዩ።

እቲ ውሳነ ንዘላቒ ረብሓ ሃገርና ክበሃል ዝተኸፍለ ክባር ዋጋ ምዃኑ መንግስቲ መደመር ይግንዘብ። ይቕረታ ናይ ፅኑዕ ሃገረ-መንግስቲ ቀንዲ ዓንዲ እዩ፤ እቲ ውሳነ ምስ ሃገራዊ ምክክር ብምስምዕማዕ፣ ሃገራዊ ምርድዳእ ንኽጠናኸር ይሕግዝ። እቶም ዝተፈትሑ ወገናትና ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ንሃገራዊ ህንፀት ከውዕሉዎ እምነት ኣለና፤ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ናይ ፅባሕ ዘይናወፅ መሰረት ዘንብር እዩ።

ጎድና ጎድኒ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ምርድዳእ፣

ኣብ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ እናተመሓየሸ ዝመፅእ፣ ብብርኪ ሃገር ዝተጠናኸሩ ቁጠባዊ ዓወታት ክምዝገቡን ህዝባዊ እምነት ክህነፅን እንተሎ እዩ። ኢትዮጵያ እዚ ገይራ እያ።

ሎሚ ኣብ ሃገርና እናተመዝገበ ዝርከብ ሓፈሻዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ኣፍሪካ ስሉጥን ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ዘደንቕ ዕቤት እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ባንዳ ይኹን ባዕዲ ከይፈተወ ተገዲዱ ዝቕበሎ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.