Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ፋይናንስ – መርአያ ለውጢ ስርዓት ዕድጊት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዲጂታል ስርዓት ትዝርግሕ ኣላ ክበሃል እንተሎ ካብ ምስፋሕ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔትን ቴሌኮምን ዝሓለፈ እዩ።

ዕለታዊ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ሕብረተሰብ እናቐየረን ለውጢ ዲጂታል ስግግር እናተራእየሉን ዝርከብ ሓደ ዓውዲ ድማ ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ እዩ።

ኢትዮጵያ ክሳብ ቀረባ እዋን ዕድጊትን ዝውውር ገንዘብን ዝካየዱ ጥረ ገንዘብ መሰረት ካብ ዝገበረ ኢድ ብኢድ ይፍፀም ከምዝነበረ ይዝከር። እዚ ዓይነት ስርዓት ዕድጊት ብዛዕባ ኣተኣማናናይነቱን ድሕንነቱን ሕቶታት ዝነበሩዎ ኮይኑ፤ ገንዘብ ዜጋታት ንብኽነትን ስርቂን ዘቃልዕ እውን እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ነቲ ባህላዊ ዝነበረ ኣሰራርሓ ዕድጊት ብምልዋጥ ኣጠቓቕማ ዲጂታል ስርዓት ፋይናንስ ብሰፊሑ እናተግበረት ትርከብ።

ኣብ ዘፈር ንግዲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ነጋዶ ቅድም ክብል ልቓሕ ንምርካብን ክፍሊት ንምቕባልን ንምልኣኽን ዝነበሩዎም ብድሆታት ኣብ ስልኮም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ዲጂታል ፋይናንስ ብምጥቃም ብትሑት ክፍሊትን ኣብ ሓፂር ግዘን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ጨናፍር ባንኪ ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ዝርከቡ ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ብሞባይል ስልኮም ኣቢሎም ገንዘብ ንምዝውዋር ከምኡ እውን ንፍርያት ሕርሻኦም ክፍሊት ብቐጥታ ክቕበሉን ክኸፍሉን ኣኽኢሉ እዩ።

ትካላት መንግስቲ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምኽታለን፣ ግልፅን ቅልጡፍን ከምኡ እውን ካብ ግዕዝይና ናፃ ዝኾነ ኣሰራርሓ ንምትግባር ስርዓታት ፋይናንስ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ይርከቡ።

እዚ ድማ ናይ ፋይናንስ ለውጢ ሓደሽቲ ፈጠራታት ቴክኖሎጂን ስታርትኣፓትን ዘተባብዕ ሓዱሽ ምዕራፍ ካብ ምኽፋት ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ንኽስፋሕፍሑ ምቹው ኩነታት ፈጢሩ እዩ።

ዓቕሚ ዘፈር ዲጂታል ፋይናንስ ዝያዳ ውፅኢታዊ ንምግባር፤ ዜጋታት ብምምሃር፣ ድሕንነት ሳይበር ብምርግጋፅን መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ንምጥንኻርን እናተሰርሐ እንትኸውን፤ ኣብ ዲጂታላዊ ዘፈር ዘሎ ፍልጠትን ክእለትን ምዕባይ ድማ ካብ ዜጋታት ይጥለብ።

ብመሰረት እዚ ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኽትውን ዝውውር ገንዘብ ዘቃልል፣ ፍሰት ንግዲ ዘቀላጥፍ፣ ከምኡ እውን ማዕርነት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ስርዓት ፋይናንስ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ክድገፍ ይግባእ።

ብቤተልሄም ግርማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.