ሓምላዋይ ወርቂ፡ ቡን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቡን ንኢትዮጵያውያን መተኣኻኸቢ፣ ፀገማቶም ብዘተ ዝፈትሑሉ ቁልፊ፣ ግዜ ንምርካብ ዝጠቅም ከምኡ እውን ቀንዲ መሰረት ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ማሕበራዊ ርክብን ኢኮኖሚን እዩ።
ብኢትዮጵያውያን “ቡን ስተዩ” ምባል ከም ልማድ ጥራሕ ዝውሰድ ኣይኮነን፤ ቡን ክቐርብ እንከሎ ቁርሲ ሓባራዊ ምሕዝነት እውን ይቐርብ።
ሰባት ተፀዋዊዖም ቡን ኣብ ዝሰትዩሉ እዋን ፀገማቶም ይዛተዩ፤ ዝተፃልኡ ንምትዕራቕ ቆፀራ ይሕዙሉ፤ ብሓፈሻ ድማ ብዙሓት ማሕበራዊ ምትእስሳራት ይካየዱሉ።
ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ እውን ቡን ንኢትዮጵያ ሓምላዋይ ወርቃ እዩ፤ ኢትዮጵያ መበቆል ቡን ዓረቢካ ብምዃና ንዕዳጋ ዓለም እተቕርቦ መጠን ቡን እውን ከም መበቆል ናይቲ ፍርያት ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ።
ካብ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣታዊ ዝለዓለ ብፅሒት ዝሕዝ ቡን፣ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብዘለዎ ተፈላጥነትን ፅሬትን ምኽንያት፤ ዓቕሚ ሸርፊ ወፃኢ እታ ሃገር ንምሕጋዝ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ።
ካብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንደሓር ድማ ፍርያትን መፍረያይነትን ቡን ንምዕባይ ብዝተሰርሐ ስራሕ እቲ ፍርያት ኣብ መላእ ዘፈር ሕርሻ ናይ ዕቤት ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ።
ንፈለማ እዋን ፍረ ቡን ኣኪባን ለቒማን ንዓለም ዘበርከተት ኢትዮጵያ፤ ሎሚ’ውን ፍርያት ቡን ብምዕባይ ቀንዲ ዋልታ ሓጋዚ ቁጠባኣ ንምግባር ብትግሃት ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ 2018 ዓ.ም ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን 3 ነጥቢ 1 ቢልየን ዶላር ኣታዊ ረኺባ፤ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብሓፈሻ ካብ ዝረኸበቶ 3 ነጥቢ 3 ቢልየን ዶላር ኣታዊ ዝቀራረብ እዩ።
ኢትዮጵያዊ ኣሰራርሓ ቡና ብባህሪኡ ትዕግስቲ ዝምህርን እድኣት ዘላብስን እዩ።
በቀጣይ በቴክኖሎጂ በመታገዝ የቡና ምርትን ጥራት፣ ጤንነት እና ብሔራዊ ጠቀሜታ ለማጠናከር በቁርጠኝነትና በቅንጅት መሥራት ይገባል።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ንዕቤት ፍርያት ቡን ዘቀላጠፍ ኩነታት ኣየር ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ተኽሊ ቡን ንምስፋሕ ዝኽእል ስራሕ እናተሰርሐሉ ይርከብ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ክስረሐሉ እዩ፤ ካብ ዝትከሉ ፈልሲታት ልዑል ብፅሒት ዝሕዝ ድማ ፈልሲ ቡን እዩ።
ኣብ ቀፃሊ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ፍርያትን ፅሬትን፣ ጥዕናን ሃገራዊ ረብሓን ፍርያት ቡን ንምጥንኻር ብቆራፅነትን ብምውህሃድን ምስራሕ ይግባእ።
ብእመቤት ሲሳይ