ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል ተጣይሹ
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌ.ዲ.ሪ.ኢ. ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 62 (9)ን ብኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዓንቀፅ 14/2/ለ/ ግዚያዊ ምምሕዳዳር ክልል ትግራይ ንኽጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መሰረት ብምግባር፤ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅንዕ ውሳነ ወሲኑ ኣሎ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ብዝነበረ ጎንፂ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንምፍታሕ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ህወሓት ብዝፈጠሮ ዕንቅፋት ክዕወት ኣይከኣለን።
ሰላም ዘይደለየ ኣመራርሓ ህወሓት ንራብዓይ ግዘ ዝጀመሮ መዕነዋይ ኲናት ንራብዓይ ግዘ ብስዕረት ህወሓት ተዛዚሙ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ዝረሓቖ ሰላም ንኽጎናፀፍ፣ ብባልካ ናይ ምምሕዳር መሰል ንክረጋገፅ፤ከምኡ እውን ንዙሓት ዓመታት ዘይተረኸበ ስራሕቲታት ልምዓት ንምምፃእ ካብ ዓንኬል ጎንፂ ክወፅእ ኣለዎ፡፡
ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ፌዴሬሽን ዝግቦኦ ቦታ ረኺቡ ሰላም ምኽባር፣ ትኹረቱ ኣብ ልምዓት ምግባርን ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ፀኒዑን ክነብር ኣለዎ። እዞም ኩነታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምምችቻው በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግሥቲ ፌዴራል ክልል ትግራይ ብመሰረት ደንቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ተጣይሹ።
እዚ ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብፌዴራል መንግስቲ ዝመሓደር ምምሕዳር ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ንትግራይ ከመሓድር እዩ።
ቀንዲ ተግባሩ፦
- ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ሰላምን ምርግጋዕን ብቕልጡፍ ብምፍታሕ ዝተረጋግዐ ኩነታት ምፍጣር፤
- ዝፈረሱ መሓውራት መንግስቲ ዳግም ብምህናፅ ህዝቢ ካብ ስሩዕ ኣገልግሎታት ተጠቃሚ ዝኾነሉ ኩነታት ምፍጣር፤
- ብሰንኪ ኲናት ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ብምፅጋንን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባርን፣ ብብርኪ ሃገር ዝረኣዩ ረብሓታት ልምዓት ኣብ ትግራይ እውን ክስፋሕፍሑ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር፤
- ንዝተመዛበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ መንበሪ ቦታኦም ምምላስ፤
- ኣብቲ ክልል ተቛሪፆም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕፅሉ ምግባር፤
- ከምኡ’ውን ዝተረጋግአ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ናፃን ግልፅን መረፃ ክካየድ ብምግባር ትግራይ ስሩዕ ኣካል እቲ ፌዴሬሽን እትኾነሉ ኩነታት ምምችቻው፤
- ካብ ትካላት ፌዴራል ምክልኻል፣ ፖሊስን ድሕነትን ከምኡውን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምውህሃድ ካብ ክልል ክሳብ ቀበሌ ኣብ ዘሎ መሓውር ዝተረጋግአ ኩነታት ንኽፍጠር፣ ዕጡቓት ኣፅዋሮም ኣረኪቦም ናብ ሰላማዊ ናብራ ንኽምለሱን ናይ ምሕዋይ ከይዲ ንኽካየድን ኩነታት ምምችቻው፣ ከምኡውን ናይቲ ክልል መዋቕር ፀጥታ ዳግማይ ከም ብሓዱሽ ምውዳብ ሓላፍነት ክህልዎ እዩ።
- ሰላም ንኽፀንዕ፣ ስነ ልቦና ህዝቢ ንኽስተኻኸል ከምኡውን ናብ ስራሕቲ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ንምእታው ዘኽእሎ ድልውነት ንኽህልዎ ምግባር፤
- ስራሕቲ ሚዲያ ብምትሕብባር፣ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዝካየዱ መድረኻት ህዝቢ ምድላው፤
- ኣብ ዝመፅእ መረፃ ሰላማዊን ሓቋፊን ንኽኸውን ዘኽእሉ ተግባራት ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝፍፅሞም ኩሎም ተግባራት ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ፣ ግዝኣት ሓድነት ኢትዮጵያ ፣ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ መሰረት ክገብር ኣለዎ።
ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክሳብ ዝጣየሽ፣ ናይቲ ክልል መዓልታዊ ኣገልግሎታት ካብ ምቕራብን ንቐፃሊ መረፃ ኣኽኣላይ ኩነታት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ስትራተጂካዊ ትርጉም ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ኣይንቀሳቐስን። ተግባሩ እውን ካብ ፌዴራል መንግስቲ ብዝውሃቦ ኣንፈትን መምርሒን መሰረት የሳልጥ።
ዋና ፈፀምቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር
- ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጎስ – ዋና ፈፃሚ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን
- ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣረጋይ ወ/ስላሴ – ዋና ፈፃሚ ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን
- ብርጋዴር ጀነራል ገብረ እግዚኣብሄር በየነ ሃይሉ – ዋና ፈፃሚ ፀጥታን ሰላምን
- ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ወ/ስላሴ – ዋና ፈፃሚ ፖለቲካን ኣወዳድባ ህዝብን
- ዶ/ር ሽሻይ ኣማረ – ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኖም ተሸይሞም።
ንኹሎም ዝፍፅምዎም ንጥፈታት ብመንግስቲ ፌዴራል መምርሕን ኣንፈትን ደገፍን ክትትልን ክግበረሎም እዩ።