Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ ብልምዓት ከተማ ንኣፍሪካውያን ኣብነት እያ – ከንቲባ ኣክራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ብስራሕቲ ልምዓት ከተማ ንከተማታት ኣፍሪካ ኣብነት እያ ኢሎም ከንቲባ ከተማ ኣክራ ርእሰ ከተማ ጋና ማይክል ፓክፖ ኣሎቴ።

ኣብ ፎረም ኢኒሼቲቭ ከንቲባ ከተማታት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ እቶም ከንቲባ፤ ኣብታ ከተማ ዝተዓዘቡዎ ዕቤት ካብቲ ዝተፀበይዎ ንላዕሊ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ዝተፀበኹዋ ብቀ0 ዕፅፊ ኣብ ቅልጡፍ ዕቤት ትርከብ ኣላ፤ በዚ ድማ ንኣመራርሓ እታ ከተማ ከመስግን ይደሊ ኢሎም።

ምምሕዳር እታ ከተማ ዘደንቑ ስራሕቲ ልምዓት የካይድ ከም ዘሎ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ መሰረተ ልምዓትን ቱሪዝምን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣልዒሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀናሕናሉ እዋን ዝተመሃርናዮም ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ኣብ ሃገርና ንምትግባር ፃዕሪ ክንገብር ኢና እውን ኢሎም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ መላእ ኣፍሪካ ብተመሳሳሊ ቅልጣፈ እንተተተግቢሮም፤ ኣህጉርና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክትርከብ እያ ክብሉ ገሊፆም።

እታ ከተማ ዘደንቕ ባህሊ ዘለዋን ኩሉ ሰብ ክነብረላ ዝግባእን ከተማ ምዃና ዝገለፁ እቶም ከንቲባ፤ ካልኦት እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ንኽገብሩ ከም ዝዕድሙ ተዛሪቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.