Fana: At a Speed of Life!

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክልል ትግራይ ዓብዩ ረብሓ ክህልዎ እዩ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክልል ትግራይ ዓብዩ ረብሓ ክህልዎ እዩ ኢሎም ኣቦ ወንበር ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ትግራይ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንከጣይሹ ብዘሕለፎ ውሳነን ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን ፌዴራላዊ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ዘጠናኽር ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ።

በዙይ መሰረት ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንትግራይ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌዴራላዊ ተጣይሹ ኣሎ።

ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ምጥያሽ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣድላይን ኣወንታዊን ስጉምቲ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ውሳነ ፌዴራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ኩለመዳያዊ ለውጢ ንኽምዝገብ ዘለዎ ትኹረት ዘርኢ ምዃኑ ኣብሪሆም።

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ንህዝቢ ክልል ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዓብዩ ረብሓ ክህልዎ እዩ ኢሎም።

ነቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ቀንዲ ሓላፍነታት ብዓወት ንምፍፃም ልዑል ዲሲፕሊንን ግልፅነትን ክህሉ ከምዘለዎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.