Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ፣ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፉ ህዝባዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ጎንደር፣ ሰቆጣ፣ ደብረ ታቦር፣ ወልድያ፣ ገንዳ ውሃን ካልኦት ከተማታትን እናተካየደ ይርከብ።

እቶም ሰልፈኛታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓድነትን ሉዓላውነትን ሃገር ንምጥንኻር ይገብሮ ንዘሎ ቃልሲ ንምድጋፍ ዕላማ ዝገበረ እዩ።

ኣብቲ ሰልፊ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ መንእሰያትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን፣ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምስማዕ ይሳተፉ ኣለዉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.