Fana: At a Speed of Life!

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብቀዳምነት ኣገልግሎታት ህዝቢ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕቲ ክፍፅም እዩ – ከንቲባ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል ኣገልግሎታት ህዝቢ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕቲ ብቀዳምነት ክፍፅም እዩ ኢሎም ከንቲባ መቐለ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)።

ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንክልል ትግራይ ከመሓድር ዝተመደበ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ፣ ሓድነት ግዝኣትን መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይን መሰረት ብምግባር ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

ብበዓል ሓደራ ምምሕዳር ከንቲባ መቐለ ኮይኖም ዝተሸሙ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣዕናዊ ፖለቲካ ቁማርን ተዛዚሙ እዩ።

እቲ ዝተጣየሸ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቀዳማይ ተግባረ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ህዝብን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ምጥንኻር ምዃኑ ብምሕባር ነዚ ተግባር ብብቕዓት ንምፍፃም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ዝተመዛበሉ ክፍላት ሕብረተሰብ ናብ መረበቶም ንምምላስን ቁጠባ ምንቕቓሕን እውን ትኹረት ዝወሃቦም ጉዳያት ምዃኖም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ህዝቢ ክልል ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ማዕርነትን ፍትሕን ንምርግጋፅ ንነዊሕ እዋን ዋጋ ከፊሉ እዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ኣብ ዝቕፅል እዋን እውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ህዝቢ ብዝመረፆ መንግስቲ ንክመሓደርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝካየዱ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ንዝቕፅል መረፃ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ሓላፍነቶም ብግቡእ ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም ብምግላፅ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ልእኽትኡ ንምፍፃም ምስ ህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝብ #ዓብዩራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.