ኢትዮጵያ ኣብ ባንኪ ዓለም ተወካሊት 22 ሃገራት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ባንኪ ዓለም ን22 ሃገራት ኣፍሪካ ዝውክል ጉጅለ ኣፍሪካ ምድብ ሓደ፣ ምክትል ዳይሬክተር ፈፃሚት ስራሕ ብምዃን ተመሪፃ።
ገዛእቲ ብሄራዊ ባንኪ ሃገራት እቲ ምድብ ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ንኢትዮጵያን ነቲ ምድብን ወኪሎም ኣብቲ ቦታ ክምደቡ ዘቕረቡዎ ሽመት ዘረጋገፁ እንትኾኑ፤ ዕላዊ ናይ ስራሕ ግዘኦም ድማ ካብ 1 ሕዳር 2026 ክጅምር እዩ።
ኣብ ምድብ ሓደ ኣንጎላ፣ ቦትስዋና፣ ቡሩንዲ፣ ኤርትራ፣ እስዋቲኒ፣ ኢትዮጵያ፣ ጋምቢያ፣ ኬንያ፣ ሌሶቶ፣ ላይቤሪያ፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክ፣ ናሚቢያ፣ ሩዋንዳ፣ ሳኦ ቶሜን ፕሪንሲፔን፣ ሲሼልስ፣ ሴራሊዮን፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳን፣ ታንዛኒያን ኡጋንዳን ዘጠቓልል ጉጅለ እዩ።
እዚ ሽመት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ባንኪ ዓለም እቲ ዝለዓለ ናይ ቦርድ ኣመራርሓ ቦታ ክትረክብ ዝኸኣለትሉ ሳልሳይ ኣጋጣሚ እዩ።
ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ቅድሚ ሕዚ ኣብዚ ሓላፍነት ዝነበሩ ክልተ ውሩያት ኢትዮጵያውያን ሰበ መዚ ኣይተ ቡልቻ ደመቅሳ (ካብ 1972 ክሳብ 1974 እ.ኤ.አ.)ን ወ/ሮ ሙሉ ከተማ (ካብ 2006 ክሳብ 2008 ዓ.ም.ፈ) ስዒቦም ነዚ ኣህጉራዊ ሓላፍነት ክርከቡ እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝዓበየ ፖርትፎሊዮ ፕሮጀክትታት ልምዓትን ፋይናንስን ባንኪ ዓለም ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ብምዃና፤ ኣብ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ባንኪ፣ ኣንፈት ፖሊሲታቱን ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣጀንዳታት ልምዓትን ልዑል ግደ ኣለዋ።
ብምዃኑ ድማ እዚ ሓላፍነት ንኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ውሳነታት ባንኪ ዓለም፣ ድምፂ ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዓብዪ ዕድል ይህባ።