Fana: At a Speed of Life!

መደመር ካብ ጫፍ ኣባይ ክሳብ ኣቪዬሽን ከተማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ታሪኽ ኩሉ ግዜ ብተረኽቲ ጥራሕ ኣይፅሓፍን፤ ሓደ ሓደ ግዘ ብዓበይቲ ማሽነሪታት፣ ብፅንዓት ኮንክሪትን ብሓባራዊ ረሃፅ ህዝቢን እውን ይትረኽ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ናይታ ኣህጉር ካርታ ንግዲ፣ ጉልበትን ታራንስፖርትን ናይ ምቕያር ዓቕሚ ዘለዎም ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ብልዑል ፍጥነት ትሃንፅ ኣላ፤ ኣቐዲማ እውን ሃኒፃ እያ።

ብመንግስቲ መደመር ዝትግበሩ እዞም ስትራተጂያዊ ኢንቨስትመንታት ሃገራዊ ድሌት ካብ ምምላእ ሓሊፎም፣ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ጂኦ-ፖለቲካዊን ርክባት ንግዲን ብሓዱሽ መልክዕ ይቐርፅዎም ኣለዉ።

ካብዞም ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ሓደ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዘለዋ ሓለፋ ብሓዱሽ ምዕራፍ ንምፅሓፍ ዘኽእላ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ እዩ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ቅልጡፍ ዕቤት ንግሲን ቱሪዝምን እታ ሃገር ምሽካም ክሳብ ዝኣብዮ ስለዝተጨናነቕ፣ ሓዱሽ ዓብዪ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንኽህነፅ ምኽንያት ኮይኑ።

እዚ ኣብ ዓመት 100 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ንምቕባል ዝተሓንፀፀ ዓብዪ ፕሮጀክት፤ ታራ መዕርፎ ነፈርቲ ዘይኮነስ ናይ ባዕሉ ሆቴላት፣ ማእኸላት ፅገናን ዞባታት ንግዲን ዘጠቓለለ ምሉእ ናይ ኣቪዬሽን ከተማ እዩ። እዚ ህንፀት ንኢትዮጵያ ማእከል ትራንስፕርትን እኮኖሚን እታ ኣህጉር ክትከውን ይገብራ።

ካሊእ ህያው ምስክር ናይ ኢትዮጵያውያን ሕራመ፣ ሓድነትን “ንኽእሎ ኢና” ዝብል መሪሕ ቃልን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኣብ ሩባ ኣባይ ብኽብሪ ደው ኢሉ ኣሎ።

እዚ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጠለብ ሓይሊ ኢንዱስትሪን ብርሃንን ውሽጢ ሃገር ብዘላቕነት ካብ ምምላእ ሓሊፉ ንጎረባብቲ ሃገራት ዝተርፍ ዝሕደስ ሓይሊ እውን የፍሪ ኣሎ።

ብሓፈሻ እዞም ሜጋ ፕሮጀክትታት ትራንስፖርት፣ ሓይሊ፣ ሕርሻን ሃፍቲ ማይን ብዝተዋደደ መልክዕን ብዘበናዊ ፍልጠትን ተኣሳሲሮም ንመፃኢት ዓባይ ሃገር ይሕንፅፁ ኣለዉ።

መንግስቲ መደመር ቃል ብተግባር ንምትርጓም ዝጀመሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪን ዕዉት ሓባራዊ ርብርብን፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ምዕባለ ንኽትሰጋገር ፅኑዕ መሰረት የንፅፈላ ኣሎ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብሶስና ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.