Fana: At a Speed of Life!

ሓቂ ኢትዮጵያን ምስክርነት ማርኮ ሩቢዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ዝፍፅሙ ሓይልታት ከም ዘለዉን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ተመጣጣኒ ምላሽ እናሃበ ከም ዝርከብን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ጦር ሰራዊት ኣንድሪው ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ “ተገንፀልቲ ሓይልታት” ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ተመጣጣኒ ምላሽ እናሃበ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ተግባር ግብረ ራዕዲከምዘይትድግፍ ዝገለፁ ማርኮ ሩቢዮ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ተግባራት ግብረ ራዕዲ ከምዝፍፅሙን፣ ኢትዮጵያ እትህቦ ዘላ ምላሽ ድማ ግቡእ ከም ዝኾነን ገሊፆም።

ብፍላይ “ተገንፃሊ ጉጅለ” ብምባል ዝገለፁዎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ትንኮያ ከም ዝፈፀመን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ እናካየደ ከም ዝርከብን ተዛሪቦም።

ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት መንግስታት ሓንቲ ሃገር ንሉኣላውነታን ሃገራዊ ፀፅታኣን ስግኣት እንተጋጥም ወይ እውን መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን፤ ርእሳ ንምክልኻል ሓይሊ ናይ ምጥቃም ወይ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ሕጋውነት (Jus ad Bellum) መሰል ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ውክልና ኲናት እናተኻየደላ ኣብ ዝርከበሉ፣ ኣንፃር ተግባራት ግብረ ራዕዲ ዝፍፅሙ ጉጅለታት ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እናካየደት ትርከብ። እዚ ስጉምቲ ኣብ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ሕጋዊ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ዝፍፅሙ ሓይልታት ከም ዘለዉን ምላሽ ኢትዮጵያን ወፍሪ ምኽባር ሕግን ፍትሓዊ ከም ዝኾነን ምግላፆም ድማ ነዚ መርኣያ እዩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.